መጽናዕቲ መጽሓፍ ቲቶስ
- anonymous
- Jan 7
- 1 min read
Updated: Apr 29
ድሕረ–ባይታ፡
መጽሓፍ ቲቶስ፡ ካብተን ብሃዋርያ ጳውሎስ እተጻሕፋ፡ ሰለስተ ጉስነታዊ መልእኽታት (Pastoral Epistles) ተባሂለን ዝፈለጣ መልእኽትታት ሓንቲ ኮይና፡ ናብ ቲቶስ እተላእኸት እያ። ነዘን ሰለስተ ጉስነታዊ መልእኽትታት፡ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል መተዓይይቱ ንዝነበሩ እሙናት ብጾቱ፡ ጢሞቴዎስን ቲቶስን፡ ንምምሃርን ንምትብባዕን ዝተጸሓፈን መልእኽታት እየን።
ዝምድና ጳውሎስን ቲቶስን
ቲቶስ ግሪኻዊ መበቆል ዝነበሮ፡ ካብ ወገን ኣህዛብ እዩ ኔሩ። ኣብ ትሕቲ ኣገልግሎት ጳውሎስ ናብ እምነት ክርስትና ከም ዝመጸ ድማ ይእመን።
ቲቶስ ኣብ ኣገልግሎት ጳውሎስ ዓቢ ተራ ዝነበሮ ሰብ እዩ ኔሩ። ቲቶስ ንጳውሎስ ኣብ ሓያሎ ሚስዮናዊ ጉዕዞታቱ ኣሰንዩዎ ከም ዝነበረ ይፍለጥ፡፡ መብዛሕትኡ ግዜውን ኣብ ዝተፈላለያ ቤተ ክርስቲያናት ንዝነበረ ጉዳያት ንምፍታሕ ይለኣኽ ኔሩ።
ንኣብነት፡
ቲቶስ ከምቲ ኣብ 2ቆሮ 8፡16-24 ተጠቒሱ ዘሎ፡ ኣብ የሩሳሌም ንዝነበሩ ድኻታት ሓገዝ ኣብ ምእካብ ሓላፍነት ተዋሂብዎ።
ኣብቲ ብዛዕባ ግዝረት እተላዕለ ክርክር ምስ ጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከም ዝከደን
ጳውሎስ ኣብቲ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ፡ ንቲቶስ ነታ ኣብ ቈረንቶስ ናብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ዝጸሓፋ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ብኸመይ ከም እተቐበሉዋ ምእንቲ ክፈልጥ ፡ ናብ ቈረንቶስ ሰዲድዎ ኔሩ።
ጳውሎስ ንቲቶስ ኣብ ቅሬጥስ፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ክምስርትን ክውድብን፣ ሽማግለታት ክሸይምን ቅኑዕ ትምህርቲ ከስፋሕፍሕን መምርሒ ከም ዝሃቦ ኣብ ቲቶ 1፡5 ንርዳእ።
ብሓፈሻ ጳውሎስ፡ ቲቶስ ኣብ ንወንጌል ዝነበሮ ትግሃትን፡ ንቤተ ክርስቲያንን ዘርኣዮ ጽኑዕ ተወፋይነትን፡ ብምርኣይ ካብቶም ኣዝዩ ዝኣምኖም መተዓይይቲ ወንጌል ሓደ ከም ነበረ ኣብ ጽሑፋቱ ክንርዳእ ንኽእል።
ብመን ተጻሒፋ?
It a good post