Delighting in the Trinity: An Introduction to the Christian Faith
- ፍረሂወት

- Feb 8
- 5 min read
Updated: Apr 29
By Michael Reeves
እዛ መጽሓፍ ብሚካኤል ሪቭስ ዝተጻሕፈት ኮይና፡ ነቲ ማእከል ምህሮ ክርስትና ዝኾነ ስነ-መለኮት ስላሴ ንጹርን ቕልል ብዝበለ መንገዲ ጌራ እትምህር ጥራይ ዘይኰነት፡ ንነበብቲ ነቲ ስሉስ ዝኾነ ኣምላኽ ከም ምንጪ ህይወትን ሓጐስን ጌይሮም ክርእይዎ እትሕግዝ መጽሓፍ እያ፡፡
ኣብዛ ዓንቀጽ እምበኣር ነዛ መጽሓፍ በብምዕራፍ ክትንትና ክፍትን እየ።
ኣብ መእተዊ ጸሓፊ፡ ‘ስላሴ’ ዝብል ትምህርቲ ንመብዛሕትና ዓጺቕን፡ ዘደናግርን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ኣመንትውን ዘይጠቅም (unrelatable) ኮይኑ ከም ዝረኣየና ብምጥቃስ፡ እቲ ምኽንያት ድማ ኣገዳስነት ናይ ስላሴ ከም ማእከልን መሰረትን ካልኦት ኩሎም ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ስለ ዘይወሰድናዮ ምዃኑ የረድእ።
ዕላማ መጽሓፊኡ ድማ፡ ኩሉ ብዛዕባ ኣምላኽ ተገሊጹልና ዘሎ ሓቅታትን ግብርታቱን፡ ኣምላኽ ስሉስ ኣብ ምዃኑ ዝተሰረተ ከም ዝኾነ ንምርዳእን እዩ፡፡ ብሓፈሻ፡ ኣምላኽ ስሉስ ምዃኑ፡ ከመይ ኢሉ ንመንነትን ስራሕን ኣምላኽ ከም ዝገልጾን ዘጸብቖን፡ ሓጎስን ባህታ ኣመንቲ ኣብ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ከም ዝዓብን እትገልጽ መጽሓፍ ምዃና ነጊሩ።
ቀጺሉ ኣምላኽ ስሉስ ምዃኑ ምስ እትርዳእ ጥራይ ኢኻ፡ ናይ ሓቂ እቲ ጽባቐ – ሕያውነት፡ ፍቕሪን፡ ልግሲን ኣምላኽ ክርድኣካ ዝኽእል [For it is only when you grasp what it means for God to be a Trinity that you really sense the beauty, the overflowing kindness, the heart-grabbing loveliness of God] ብምባል ይገልጽ(page 9)። ስለዚ ስሉስኣዊ መንነት ኣምላኽ፡ ካብ ኣምላኽ እንተ ኣልጊስናዮ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ባህ ዘብል ነገር (ጽባቐ) ከም ምእላይ እዩ ዝኸውን።
ክርስትና ብቐዳምነት ብዛዕባ ንመንነት ኣምላኽ ምፍላጥ እምበር፡ ኣነባብራኻ (Lifestyle) ምልዋጥ ኣይኮነን። እዚ ንኣምላኽ ምፍላጥ እዩ ኽኣ ኩለንትኣውን መሰረታውን ዝኾነ ለውጢ ዘምጽኣልና። ስለዚ እዛ መጽሓፍ ብዛዕባ ኣእምሮኣውን ደረቕን ፍልጠት ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ስሉስኣዊ ባህሪ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ኣብ ግብርታቱ ተጋሂዱ ከም ዘሎ፡ ብኸመይ‘ከ ምርዳእን ኣነባብራ ኣመንቲ ይጸሉ እትድህስስ መጽሓፍ እያ።
ስለዚ ኣምላኽ ስሉስ (ኣቦ፡ ወዲን መንፈስ ቅዱስን) ምዃኑ ዓጺቕን፡ ካባና ዝረሓቐን ሓሳብ ዘይኮነ፡ ኣገዳሲ ትንፋስን ሓጐስን ክርስትና እዩ [..the triune being of God is the vital oxygen of christian life and joy (Page 18)]።
1ይ ምዕራፍ — ኣምላኽ ቅድሚ ፍጥረት እንታይ ይገብር ኔሩ (What Was God Doing Before Creation?)
ኣብዛ ምዕራፍ ናይ ኣምላኽ ሓቀኛ መንነት ንምፍላጥ ክንወስዶ ዝግብኣና መንገዲ (approach) እዩ ዝገልጽ። ጸሓፋይ ንኣምላኽ ንምፍላጥ ካብ ፍጥረት (creation) ተጀሚርና፡ "ኣምላኽ 'ሓደ ንጽል-አካል (single-person God)' ጀማርን ገዛእን ፍጥረት እዩ" ናብ ዝብል ጌጋ መደምደምታ ከብጽሓና ከም ዝኽእል ጠቒሱ። እዚ ማለት ከኣ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ክኸውን ተኾይኑ ፍጥረት ክህሉ ናይ ግድን ከድሊ እዩ [he needs creation to rule in order to be who he is (page 19)]። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣምላኽ ከም ሓደ ‘ዘይተዛማዲ አካል (non relational being)’ ንኽንሓስቦ ከገድደና ከም ዝኾነ ብምጥቃስ: ኣምላኽ ቅድሚ ፍጥረት ምጅማሩ እንታይ ይገብር ከም ዝነበረ ብምሕታት፡ ንነበብቱ ናብቲ ቅኑዕ መንገዲ ይመርሖም። ንዮሃ 17፡24 ብምውካስ ድማ፡ ኣምላኽ ቅድሚ ኩሉ ፍጥረት ናይ ዘልኣለም ኣቦ ኾይኑ፡ ንወዱ ካብ ዘልኣለም ብመንፈስ ቅዱስ የፍቅር ከም ዝነበረ፡ እዚ ስሉስነት ኣምላኽ እዚ ከኣ ሕመረት መግለጺ መንነት ኣምላኽ ምዃኑ የረድእ። ፈጣርነቱ፡ ገዛኢነቱ፡ መድሓኒ ምዃኑ፡ ኮታስ ኩሉ መግለጺ ግብርታቱ፡ ኣምላኽ ንወዱ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ዝነበሮ ዘልኣለማዊ ፍቕሪ ዝመንጨወ ምዃኑ ይሙግት።
2ይ ምዕራፍ — ኣብ ፍጥረት፡ ናይ ኣቦ ፍቕሪ ይውሕዝ (Creation: The Father’s Love Overflows)
ኣብዛ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ስለምንታይ ፍጥረት ክፈጥር ከም ዝደለየ ኣብ እግዚኣብሄር ኣቦ ኣተኵሩ ይድህስስ። ኣብዛ ክፋል እቲ ጸሓፋይ፡ ኣብ ካልኦት እምነታት ዝኣምንዎ ኣምላኽ፡ ውልቃዊ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ፡ በይኑ ንዘልኣለም ዘፍቅሮን ዝዛመዶን ዘይብሉ ይነበር ስለ ዝነበረ፡ ፍጥረት ንኽፈጥር ዘኽእሎ ምኽንያት ከም ዘይብሉ የረድእ። እዚ ማለት ድማ፡ ንሓደ ካብ ዘልኣለም በይኑ ንዝነበረ ኣምላኽ፡ ኣብ ገለ እዋን ፍጥረት ክጅምር ባህሪያዊ አይኮነን። እግዚኣብሄር ኣቦ ግና፡ ካብ ዘልኣለም ንወዱ ብመንፈሱ ጌሩ የፍቅርን፡ ብወዱ ይፍሳሕ ብምንባሩ፡ እዚ ንወዱ ዘፍቀረላ ፍቕሪ ንፍጥረት ክፈጥርን ፍቕሩ ክልግስን/ክዝርግሕን ባህሪያዊ ይገበሮ። [Christ...is the one eternally loved by the Father, creation is about the extension of that love outward so that it might be enjoyed by others (page 43)]። እዚ ፍቕሪ መንነቱ ዝኾነ ስሉስ አምላኽ: እምበርኣር ካብቲ ካብኡ ዝውሕዝ ህይወት ብልግሲ፡ ብምልኣት ከካፍል: ህይወት ሂቡ ፍጥረት ክፈጥር ዝጀመረ። ኣምላኽ ብወዱን ብመንፈስ ቅዱስን ጌሩ ንፍጥረት ብምፍጣር፡ መሊሱ ኸኣ ንኹሉ ፍጥረት ንወዱ ከም ዘግዝኦ (እብ 1፡ 2)፡ ንዓናውን ብወዱ ጌሩ ተማቀልቲ ከም ዝገበረና ይዛረብ።
3ይ ምዕራፍ — ምድሓን፡ እግዚኣብሄር ወዲ ነቲ ናቱ ዘበለ የካፍሎ (Salvation: The Son Shares What Is His)
ኣብዛ ምዕራፍ፡ ስራሕ ኣምላኽ ኣብ ምድሓን ደቂ ሰባት፡ ኣብ እግዚኣብሄር ወዲ ኣተኵሩ ይድህስስ። እቲ ጸሓፋይ ኣብዛ ምዕራፍ ውድቀት ወዲ ሰብ ዘስዓቦ ጸገም ይትንትን። ሓጥያት ካብ ምብልሻው ደጋዊ ባህሪ ዝሓለፈ፡ ኣዚዩ ጥልቂ ዝኾነ ናይ ድሌት ጸገም ከም ዘስዓበ፡ ሰብ ናይ ምፍቃር ተኽእልኡ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፡ ግና እቲ ኣንፈት ናይ ፍቅሩ ከም ዝተባላሸወን ከም ዝተዛበዐን ብምግላጽ፡ ንኣምላኽ ምፍቃር ገዲፉ ንኻልእ ኹሉ ከፍቅር ጀመረ [those who were made to enjoy the beauty of the lord turned away to enjoy their own. Love’s language and the desire of their hearts shifted from the lord to themselves, and thus, instead of running towards him, they would now hide from him (page 66)]። ብምቕጻል እቲ ጸሓፊ፡ ግደ ናይ ኣካላት ስላሴ ኣብ ምድሓን ደቂ ሰባት ገሊጹ። እግዚአብሄር ኣቦ ንምድሓን ደቂ ሰብ ከም ዝመደበን፡ ንሓደ ወዱ ከም ዝሰደዶ፡ እግዚአብሄር ወዲውን ብፍቓዱ ርእሱ ከም መስዋእቲ ከም ዝሃበ። እግዚአብሄር መንፈስ ቅዱስውን ነቲ ብኣቦ ዝተመደበ፡ ብወዲ ዝተፈጸመ ስራሕ ምድሓን፡ ኣብ ህይወት ኣመንቲ ህያው ከም ዝገበሮን ይገልጽ። እቲ ቅድም ኣብ ምፍጣር ሰብ ዝተገልጸ፡ ደሓር ውን ኣብ ምድሓን ደቂ ሰባት ኣዚዩ ዝዓዘዘ ፍቕሪ ስሉስ ኣምላኽ እዩ ይብል።
4ይ ምዕራፍ — ክርስትያናዊ ህይወት፡ መንፈስ ቅዱስ የጸብቖ (The Christian Life: The Spirit Beautifies)
ኣብዛ ምዕራፍ፡ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ንኣመንቲ ንክርስቶስ ኣብ ምምሳልን፡ ናብ ህይወትን ሓጐስን ስላሴ ኣብ ምስሓቦምን ዘለዎ ግደ ይድህስስ። እቲ ጸሓፋይ፡ ሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈልዩን፡ ብሓጢያቱ ሞይቱን ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡፡ በዚ ምኽንያት ከኣ ብዘይካ ንኣምላኽ ንኹሉ እና ኣፍቀረ ይነብር ከም ዝነበረ እሞ: ካብዚ መንፈሳዊ ሞት ግን ብዘይካ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ህይወት ክረክብን ክትንስእን ከም ዘይክእል ብምጥቃስ፡ ነቲ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ አብ ምድሓን ደቂ ሰባት ይትንትን። ነቲ ምውት ሰብ፡ ሓድሽ ልቢ ብምሃብ፡ የዒንተ ልቦናኡ ብምኽፋት፡ ንቃል ኣምላኽ ከም ዝርድኦ፡ ንኣቦን ወድን ክፈልጦምን፡ ከፍቅሮምን፡ ነቲ አብ ሞንጎኦም ዘሎ ሕብረት ከስተማቅሮን ይገብር። ስለዚ እታ ካብ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢልናያ ዘለና ህይወት፡ ዘይትጭበጥ ዘይኮነት፡ ሓቀኛ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህይወት ከም ዝተኻፈልና ይገልጽ። ማለት መንፈስ ቅዱስ ህይወት ክህበና ኸሎ፡ ካብ ርእሱ ዝወጸ ገለ ነገር ዘይኮነ፡ ንርእሱ ከም ዝህበና እዩ ገሊጹ [he gives us his very self (page 87)]። እዛ ህይወት ከኣ እታ ኣብ መንጎ ኣቦን ወዲን ዘላ ሓባራዊት ህይወት እያ። እዛ ህይወት ብምርካባና፡ ውሉድ ኣምላኽ ኮይና። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንማሕበር ኣምላኽ፡ ነቲ ብክርስቶስ ዝረኽበቶ ኣምላኻዊ ህይወት ኣብ መመዓልቲ እናገለጸ፡ የጸብቓን የወቅባን ከም ዝኾነ ብምርኣይ፡ ነቲ ሓባራዊ ስራሕ ምድሓን ናይ ስላሴ ከረድእ ፈቲኑ።
5ይ ምዕራፍ — ካብዞም ኣማልኽቲ መን ይመስለካ (Who Among the Gods Is Like You, O LORD?)
ኣብዛ ምዕራፍ፡ ጸሓፋይ ኣምላኽ ካብ ኩሎም ካልኦት ኣማልኽቲ ዘለዎ ፍሉይነት ኣጕሊሑ የርኢ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጾ፡ ስሉስ ዝኾነ ኣምላኽ ምስቶም ዝሑላትን ዘይተዛማዳውያን፡ ኣማልኽቲ ካልኦት እምነታት ወይ ፍልስፍናታት ክወዳደር ከሎ፡ ኣዚዩ ቅዱስ: እተፈለየ (set apart) ኣምላኽ ምዃኑ ይምጉት። እዚ ቅዱስ / እተፈለየ ምዃኑ እዩ ኸኣ ቀንዲ ጽባቐ ኣምላኽን መግለጺ ባህርያቱን። ነዚ ሓሳብ ከረድእ ድማ፡ ገለ ካብ ባህሪያት ኣምላኽ ከም ኣብነት ይወስድ፡፡
ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ቅዱስ/ፍሉይ ፍቕሪ እዩ። ካብ ናይ ሰብ ርእሰ ምእኹል (self-centered) ዝኾነ ፍቕሪ ይፍለ እዩ:: እዚ ፍቕሪ ምስ ቁጥዓ ኣምላኽ ከም ዘይጋጮ ገሊጹ። ቁጥዓ ኣምላኽ: ቅዱስ ምላሽ ናይ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ከም ዝኾነን፡ ካብ ቅዱስ ፍቕሩን ሓሊዮቱን ዝተበገሰ ምዃኑ እዩ ከርኢ ፈቲኑ።
ናይ ኣምላኽ ክብሪውን፡ ከምኡ ቅዱስ ምግሃድ ክብሪ ኣምላኽ እዩ። ክብሪ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘንጸባርቕ ብርሃን፡ ድሓር ውን በቲ ብስጋ ዝተገልጽ የሱስ ክርስቶስ (ነጸብራቕ ናይቲ ዘይረኣ ኣምላኽ) ተገሊጹ ንረኽቦ። ካብዞም ክልተ ምስልታት፡ ክብሪ ኣምላኽ፡ ካብ ርእሱ፡ ንደገ ኣቢሉ ዝወጽእ፡ ዝውሕዝ፡ ንኻልእ ዝመልእ፡ ዘንጀርብብ፡ ዘጸብቕ ምዃኑ ክንዕዘብ ንኽእል። ስለዚ ክብሪ፡ ኣምላኽ ካብ ፍጥረቱ ክረኽቦ ዝደልዮን ዝጸምኦን(ብባህሪኡ ክብር ስለዝኾነ) ዘይኮነ፡ በንጻሩ ነቲ ኣምላኽ ዝኾኖ(who he is)፡ ኣብ ሞንጎ ስላሴ ዘሎ ዘየቆርጽ ፍቕርን ሕብረትን ንፍጥረቱ ምሃብን ምክፋል ካብ ዘለዎ ክቱር ድሌት ምኻኑ እዩ ዝገልጽ።
ስለዚ ጸሓፋይ ንነበብቲ ንምህሮ ስላሴ ከም ደረቕ ወይ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ዘይኰነስ: ከም መገዲ ሓጐስ፡ ድንቂ፡ ከምኡ ውን ከም ኣምልኾ ገይሮም ኽርእይዎ ጸቒጡ ብምምሕጻን ነታ ምዕራፍ ይድምድም።
መደምደምታ
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝርኣናዮ፡ እዛ መጽሓፍ ዓሚቕ፡ ግን ከኣ ብቐሊሉ ክትርድኦ እትኽእል፡ ንኣእምሮኻ ዘሳትፍ፡ ንልብኻ ዝትንክፍ፡ ማራኺ ዝኾነ ተሕዝቶ ዘለዋ መጽሓፍ እያ። ነቲ ናይ ኣምላኽ ስሉስነት ንኽንርዳእን: ንኽንፈልጥን፡ ካብኡ ዝሓለፈ ድማ ንኸነስተማቕሮን እትሕግዝ ኣዝያ ኣገዳሲት መጽሓፍ እያ። ብስሉስነት ኣምላኽ ባህ ክብሎ ዝደሊ ሰብ፡ ጽቡቕ ምህሮ ትህብ መጽሓፍ እያ እሞ ነቢብና ንባረኸላ!

Comments