top of page

መንነት — Identity

  • Writer: ፍረሂወት
    ፍረሂወት
  • Mar 12, 2025
  • 7 min read

Updated: Jun 8, 2025

"ኣነ መን እየ ?" ንዝብል ሕቶ ፡ ኵላትና ኣብ ገለ ህሞት ናይ ህይወትና ሓቲትናዮ ኢና። ናይዚ መልሲ ድማ ፡ ገሊኡ ካብቲ እንነብረሉ ሕብረተሰብ ብዝረኸብናዮ ገሊኡ ድማ ካብ ዝገበርናዮን ዝበጻሕናዮን ክንምልሶ ጸኒሕና ንኸውን ኢና። እዚ ዓይነት መልሲ ፡ ኣብ ግብርናን ኣብቲ ብኻልኦት ዝተዋህበና ስለ ዝስረት ዘየተኣማምን፡ ኩሉ ጊዜ ድማ ዝለዋወጥ እዩ።  መጽሓፍ ቅዱስ ግን ካብዚ ፍልይ ዝበለ ኣዝዩ ዘተኣማምንን ዝበለጸን መንነት ከም ዘሎ እዩ ዝምህር።


ንሱ ኸኣ ብክርስቶስ ዝርከብ ሓድሽ ስም፡ ሓድሽ ዕላማ፡ ሓድሽ ህይወትን ዝሓዘ መንነት እዩ። 

እዚ ግን ከመይ ይመስል? መጽሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባ’ዚ መንነት እንታይ ይብል?  ብኸመይ ከ ይርከብ ? ንዝብሉ ሓሳባት ብሓባር ክንርኢ ኢና።


ትርጉም | definition፡

ሓፈሻዊ ትርጉም ‘መንነት’፡ መለለዪ ወይ መግለጺ እንታይነት ናይ ሓደ ሰብ ወይ ናይ ሓደ ነገር  እዩ። – who or what a person or thing is.

መንነት ጽኑዕ ርእሰ-ርድኢት (a stable self understanding) እዩ

ርእሰ-ርድኢት’ ክንብል ከለና፡  

ሕመረት እንታይነተይ እዚ እዩ (the core of who I am is this)' ወይ

 ‘ኣነ ቀንዲ እዚ እዬ (this is who I fundamentally am)'

ኢልካ ብዛዕባ ርእስኻ እትርድኦ እሞ፡  መን ምዃንካ ኣብ እትሓሰብሉ እዋን፡ ንህይወትካ ትርጉም (sense of meaning or purpose)፡ ዋጋን (self-worth): ዕጋበትን (fulfillment) ዝህብ ኮይኑ ዝስምዓካ እዩ። 


እዚ ርድኢት መንነት ክልተ ገጻት ዝሓዘ እዩ።

  1. ግላዊ መንነት | Personal Identity:

ንሓደ ሰብ ካብ ካልኦት ሰባት ፍሉይ ዝገብሮ መንነት የመልክት (ውልቃዊ ድሌት፡ ምርጫ፡ ሕሉፍ ተመክሮ፡ ዝንባለ፡ መልክዕ፣ ክእለት፣ ዕላማን ዝኣመሰሉን እዮም )። 

  1. ማሕበራዊ መንነት | Social Identity: 

ኣባል ናይ ሓደ ማሕበራዊ ጕጅለ ምዃንካ ዝገልጽ መንነት እዩ (ገለ ካብኦም ንምጥቃስ፡ ዜግነት፣ ቋንቋ፣ ዓሌት፣ ሃይማኖት፡ ቊጠባዊ ደረጃ፡ ስድራቤትን ዝኣመሰሉን እዮም) ።


ስለዚ መንነት፡ ከም ሓደ ፍሉይ ውልቀ-ሰብን፡ ከም ኣባል ማሕበራዊ ጉጅለ: ማለት ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዘሎካ ርክብ፡ ዝምዕብል ናይ ገዛእ ርእስኻ ርድኢት እዩ። እዚ ርድኢት ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ክኸውን ይኽእል።  

መሰረትን ኣቃውማን መንነት | Base and Formation of Identity:  ብኸመይን ካበይን ይርከብ?

ፍጥረት – Creation፡ 

ናይ ሰብ መንነት ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ዝምድና እተመስረተ እዩ ኔሩ። ኣዳምን ሄዋንን ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ተፈጢሮም። በዚ ምኽንያት ድማ ‘ጸወርቲ መልክዕ ኣምላኽ (God's image bearers)' ተባሂሎም። 

ጸዋሪ መልክዕ ኣምላኽ’ ማለት ንባህርይን መንነትን ኣምላኽ ኸንጸባርቕ እተፈጥረ ማለት እዩ።  ስለዚ ሰብ 

  • ዋጋ ዘለዎን ክቡርን – Dignity and Value 

  • መንጸባረቒ ባህርይ ኣምላኽ – Reflection of God's image 

    • ናይ ኣምላኽ ፍቕርን ፍትሕን ብምንጽብራቕ – Character

    • ንፍጥረት ብስልጣን ብምምሕዳርን፡ ብምክንኻንን  – Stewardship

    • መሃዝነትን ብልሕን ኣምላኽ ብምርኣይ – Creativity

    • ምስ ኣምላኽን ምስ ካልኦትን ብዘለዎ ዝምድና – Relational

    • ሞራላዊ ሓላፍነት ብምስካም  –  Moral Responsibility እዩ።

ነዚ መልክዕ ኣምላኽ ጼርካ ብግቡእ ንኣምላኽ እናገለጽካን እና ኣኽበርካ ምንባር ዕላማ ህይወትን ዕጋበትን ኣዳምን ሄዋንን ነይሩ።


ውድቀት – Fall፡

ካብ ኣምላኽ ምፍላይ፦

ውድቀት ዘስዓቦ፡ ሰብ ምስቲ ዝተፈጠሮ ኣምላኽ ዝነበሮ ዝምድና ተበትከ፡ ካብ ኣምላኽውን ተፈልየ። እቲ ኣብ መጀመርያ ኣብ ህላወ ኣምላኽን ዕላምኡን ተሰሪቱ ዝነበረ ሰብኣዊ መንነት ተበታተነ። ሰብ ንኣምላኽ  ምንጪ መንነቱ ምግባር ሓዲጉ፡ ብኻልእ ነገራት (ዝምድና: ኣሳልጦ፣ ገንዘብ...) ናይ ገዛእ ርእሱ መንነትን ሃሰው ክብል ጀመረ።

ሓቀኛ ዕላማ ምስኣን፦

ቅድሚ ውድቀት፡ መንነት ኣዳምን ሄዋንን፡ ምስቲ ንኣምላኽ ምንጽብራቕ (to reflect God’s image) ዝነበረ ዕላማ እተተሓሓዘ እዩ ነይሩ።  ድሕሪ ውድቀት ግን፡ እዚ ዕላማ ብሓጢኣት ተባላሽዩ፡ ሰባት ‘መን ምዃኖም’ ክደናገሮም ስለ ዝጀመረ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ኣብ እተፈጥረ ነገራት ትርጕምን መንነትን ክደልዩ ጀመሩ። 

ነዚ ዘጋጠመ ውድቀት ክንርድኦ ክሕግዘና ምእንቲ፡ ኣብ ኤር 2፡ 12-14  ዘሎ ሓሳብ ክንርኢ ኢና።

“ዘይኣማልኽቲ ኽነሶምሲ፡ ኣማልኽቱ ዝለወጠ ህዝቢዶ ኣሎ? ህዝበይ ግና ግርማኡ ንዘይጠቅም ለወጠ።  ህዝበይ ክልተ ኽፋእ ገይሩ፡ 

  1. ንኣይ ንፈልፋሊ ህያው ማይ ሐዲጎምኒ፡ 

  2. ንርእሶም ከኣ ሓጽብታት፡ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ኲዒቶም እዮም 

እሞ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹምውን ራዕራዕ በሉ፡ ይብል እግዚኣብሄር”

ፈልፋሊ ዓይኒ ማይ

ሓጽቢ

ኩሉ ጊዜ ፈልፋሊ 

ኣብቲ ወቕታዊ ዝናብ ዝምርኮስ

ተፈጥሮኣዊ ምንጪ ማይ

ማይ ንምኽዛን ዘገልግል፡ ሰብ ዝሰርሖ መዕቈሪ

ሰብ ዘይሰረሖ 

ንምስርሑን ንምዕቃቡን ብዙሕ ጻዖሪ ዘድልዮ

ጽሩይን ብትሕስትኡውን ሃብታም

ዕቋር 

ዘየቋርጽ

ዘቋርጽ፡ ኣብቲ ዝናብ ዘይብሉ ጊዜ ዝነቅጽ

ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡  ምንጪ ህይወት ዝኾነ ኣምላኽ

ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ሰባት ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ተስፋን ትርጕምን ንምርካብ ዝገብርዎ ነገራት 

እዚ ጥቕሲ ኣምላኽ ብተግባራት ህዝቢ እስራኤል ከም ዝሓዘነ እዩ ዝገልጸልና። ነቲ ምንጪ ህይወት ዝዀነ ኣምላኽ ሓዲጎም፣ ነቶም ብባህሪኦም ኣማልኽቲ ዘይኮኑ፡ ብኢድ ሰብ እተሰርሑ ኣማልኽቲ እዮም ሓርዮም ።  ነቲ ምንጪ ኹሉ ህይወትን ዕጋበትን ዝኾነ ኣምላኽ ገዲፍካ፣ ዕጋበት ንምርካብ፣ ናብ ሃብቲ፣ ሞያ፣ ማሕበራዊ ደረጃ፣ ወልፊ፣ ኣብ ሓዳር፣ ቈልዑ፣ ወይ ኣዕሩኽ ዘሎ ዝምድና፣  ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ምኻድ ወይ ምጽጋዕ፣ ከንቱ ምዃኑ እዩ ኣጕሊሑ ዝምህረና።

ሰብ ኣብ ሓጢኣት ምስ ወደቐ፡ ካብቲ ኣምላኽ መጀመርታ ዝሃቦ መንነት ርሒቑ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዝርከብ ደጋዊ ቅቡልነት ወይ ካብ ግላዊ ድሌታት መንነት ክደሊ ባህርያዊ ኮይኑ።

  • ማሕበረሰብ:–  ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብካ ካብ ዘለካ ግደ ዝርከብ መንነትእዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ጕጅለ ግደታትን ትጽቢታትን ብምፍጻም ዝቕረጽ መንነት እዩ። ኣብ ውሽጢ ጉጅልኦም ተቐባልነት ብምርካብን፡ ምስቲ ሕብረተሰብ ዘውጽኦ መለክዒታት ተሰማሚዖም ብምምልላስን እዮም ዋጋኦም(self worth) ዝረኽቡ። እዚ ሜላ እዚ፡  ብቐሊሉ መንነት ከም ትረክብ ዝገብርካ እኮ እንተኾነ፡ ነዚ ትጽቢታት እዚ ዘይምምልኡ ከኣ፡ ናብ ሕፍረትን ካብቲ ሕብረተሰብ ምንጻልን ይወስድ።

  • ርእስኻ:– ኣብ ርእስኻ ወይ ውሽጥኻ ብምጥማት ዝርከብ መንነትእዚ ሰብ፡ ንትጽቢት ሕብረተሰብ ገዲፉ፡  ናብ ውሽጢ ብምጥማት፡ ካብ ብሕታዊ ባህግታት፣ ስምዒታትን ምርጫታትን ዝረኽቦ መንነት እዩ።  ካብዚ ዝተላዕለ ድማ እዩ እዞም  ‘መን ምኻነይ ባዕለይ እምበር፡ ማንም ኣይነግረንን እዮ (No one tells me who I am)’፣  ‘You decide who you are’, ‘Listen to yourself ‘ ዝብሉ ሓሳባት ኣብ ዝኸድናዮ እንሰምዖምን፡  ብገለ መንገዲውን ንዓና ወይ ንደቕና ዝጸልው ዘሎዉን።  ኣብ ብሕታዊ ድሌት ስለዝስረት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጽኑዕ ኣይኮነን፡ ውሕስነትውን የብሉን። እዚ ኸኣ ናብ ድንግርግርን ጭንቀትን ይወስድ።

ገለ ካብዚ ተሪኢና ፦

ዝምድና | Relationship፡ 

ምስ ካልኦት ኣብ ዘለና ዝምድና ዝተሰረተ መንነት ስድራቤትን (ሰብኣይ፡ ውሉድ፡ ኣቦ፡ ኣደ)፣ ፈትወትን (መሓዙት)

ትምህርትን ኣሳልጦን ዝናን | Academia, achievement and fame: 

ኣብ ዝረኸብካዮ ኣሳልጦ፡ ዝበጻሕካዮ ናይ ትምህርቲ ወይ ስራሕ ደረጃ፡ ዘጥረኻዮ ፍልጠትን ተመክሮን፡ ዘሎካ ስልጣን፣ ኣብ ዘለካ ዝና ወይ ህቡብነት ወይ ሰዓብቲ፣ ኣብ ናይ ደቅኻ ዓወትን ኣሳልጦን ዝተሰረተ መንነት

ምህርቲ፡ ሰራሕተኛ፡ ሓላፊት፡ ዕዉታት ውሉድ ዘለውዋ፡ 

ጥሪት | Possessions፡

ኣብ ዘጥርኻዮ ሃብቲ፡ ገንዘብ፡ ገዛ፡ መኪና፡ ወርቂን ጨርቅን ዝኣመስሉ ዝተሰርት መንነት

መበቆል/ ዓሌት/ ትውልዲ | Race, ethnicity፡

ኣብ ዝተወድካሉ ዓዲ፡ ዓሌት ዝተሰረተ መንነት ኤርትራዊት፡ ጎል ኣስመራ፡ ጎል ሹቕ፡ እንዳ እገለ

ሃይማኖትን መንፈሳውነትን | Religion and Spirituality ፡

ኣብ ጸጋኻ፣ መንፈሳዊ ርድኢትካን ብጽሕናን፣ ማሕበርካን መራሕትኻን፡ መንፈሳዊ ንጥፈታትካን ዝተሰረተ መንነት

ካልእ ከምኡ ዝኣመሰሉን፡

ኣብ ዝተመሃርካሉ ቤት-ትምህርቲ፡ እትሰርሓሉ ቦታ፡ እትነብረሉ ከባቢ፡ እትኽደኖ ክዳን፡ ዘለካ ጽባቐ፡ ኣከዳድናኻ፡ ሚዛንካ፡ ኣብ ርእስኻ ምልዓልን ጥዕናኻ ምሕላውን፡ ምስ ደቕካ ብዝተሓሓዘ ነገር( ዝኸድዎ ቤት-ትምህርቲ፡ ዝበጽሕዎ ደረጃ)፡ ኣብ ሰባት ዘለካ ተቐባልነት፡ ንኻልኦት ሰናይ ብምግባርካን ካልእን ዝተሰረተ መንነት

ባህርያት ናይ’ዞም ዝረኣናዮም መሰረታት መንነት

  1. ዘይቀዋምነት፡-

    ብባህሪኦም ጊዜያውን፡ ብቐሊሉ ዝነቓነቑን፡ ተለዋዋጥትን ስለዝኾኑ፡ መንነትካ ኣብኦም ምግባር፡ ከም ንገዛኻ ኣብ ሑጻ ምህናጽ እዩ።

  2. ርእሰ-ምእኹል ኣብ ብቕዓትካን ጻዕርኻን ስለዝምርኮስ፡ ንምርካቦምን ንምዕቃቦምን ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ትነብር። 

    1. ብዝረኸብካዮም መጠን፡ ዓወት ስለ ዘይትጻወር፡ ኣብ ትዕቢትን፡ ምስ ካልኦት ኣብ ምውድድርን፣ በቲ ዘለካ ስለዘይትዓግብ ናብ ምምጥጣርን ይወስድ።

    2. ብዝሰኣንካዮም መጠን፡ ውድቀት ስለ ዘይትጻወር፡  ኣብ ብስጭት፡ ጭንቀትን ተስፋ ምቑራጽን ይወስድ።

    3. ተጥርዮ እምበር ትቕበሎ ኣይኮእነ፡ Achieved not received 



ስለዚ እምበኣር፡ ሰባት ምስ ኣምላኽ ዝምድና ምስ ኣጥፍኡ፡ ብቐዳምነት ንገዛእ ርእሶም ከም ክቡር ፍጥረት ኣምላኽ ገይሮም ኣብ ክንዲ ዝርእይዋ፡ ብውልቃዊ ወይ ማሕበራዊ ደረጃኦም ገይሮም ገዛእ ርእሶም ክርእይዋ ጀመሩ። መንነቶም ኣብ ስድራቤቶም፡ ዓሌቶም፡ ዝረኸብዎ ኣሳልጦን፡ ከምኡ ኣብ-ዝኣመሰሉ ነገራት ክረኽብዋ ደለዩ። እዚ ብርእሰ-ምትእምማን ዝምራሕ፡ ኣብ ኣዳማዊ ባህሪ እተሰረተ መንነት እዚ፡ ዘይጽኑዕን ዝልወጥን ስለ ዝዀነ፡ ንሰብ ኣብ ምፍልላይ፣ ትዕቢትን፡ ተስፋ ምቝራጽን ከም ዝነብር ይገብሮ።

ምድሓን – Redemption: 

ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ ንናይ ሰብ መንነት ናብ ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ክመልስ ጀመረ። የሱስ ነቲ ምስ ኣምላኽ ኣብ ዘለካ ርክብ ዝምስረተ ሓድሽ መንነት ምእንቲ ክንረክብ፡ ብናይ መስቀል ስራሕ፡ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቐና። ኣብ ክርስቶስ ዘለዉ ሰባት፡ ሓጢኣቶም ይቕረ ይበሃለሎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ መንነቶም ተሓዲሱ፡ ውሉድ ኣምላኽ ተባሂሎም፡ ነቲ ዝተፈጥሩሉ ዕላማ እንደገና ኽነብሩ ብቑዓት ይኾኑ።

ምስ ክርስቶስ ሕብረት ስለ ዝረኸቡ ድማ፡  

ብእግዚኣብሄር ኣቦ ሕሩትያ፣

ብደም የሱስ ክርስቶስ ዝተሓጽቡ፣

ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሱ – መሕደሪ መንፈስ ቅዱስ ዝኾኑ፣

ውሉድ ኣምላኽ፣ ዝጸደቑ፣ ሰማያዊ ዜግነት ዘለዎም፣ ደቂ ዓዶም ንቕዱሳን፣

ሓድሽ ፍጥረት፣ ወረስቲ ንኣምላኽን መዋርስቲ ክርስቶስን፣ ኣገልገልቲን ካህናትን ኣምላኽ ይኾኑ።

እዚ መንነት

  1. ውህበት ኣምላኽ እዩ

  2. ብክርስቶስ ጥራሕ ይርከብ

  3. መውዳእታ ዕላምኡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ

ስለዚ እዚ ሓድሽ መንነት፡ ንክርስቶስ ዘማእኸለ ስለዝኾነ፡ ዝበለጸን፡ ዝያዳ ዘተኣማምን ጽኑዕ መሰረት ዘለዎን እዩ።  ብተወሳኺ፡ መንነትካ ኣብ ክርስቶስ ደኣ እምበር፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጻዕርን ደጋዊ ብቕዓትን ስለ ዘይምርኰስ: ንዅሉ ሰብ (ነቲ ብክርስቶስ ዝኣመነ) ማዕረ ይገብሮ እዩ።

ናብ ክርስቶስ ምስ መጻእካ፡ ኣብ ህይወት ትርጕምን ዋጋን ዕጋበትን ንምርካብን፡ መንነትካ ንምቛምን፡ መሰረት ክትገብሮም ዝጸናሕካ ኵሉ ነገር፡ ግቡእ ቦታኡ ክሕዝ ይጅምር። ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበካ መንነት ክትገልጸሎምን፡ ንኣምላኽ ክተኽብረሎምን ዝተዋህቡኻ ግደትታ፡ ዝምድናትታ፣ ሓላፍነታትን መዳያት ሂወትን ምኻኖም ፈሊጥካ፡ ንኣምላኽ ንምኽባርን ንኻልኦት ብፍቕሪ ንምግልጋልን ክትጥቀመሎም ትጅመር። 

ባህሪ ብክርስቶስ ዝርከብ መንነት

  1. ቀዋሚ| ጽኑዕ፡ ኣብ ኣምላኽ ስለ ዝምርኮስ፡ ብጊዜ ዘይልውጥን፡ ዘይነቓነቕን፡ ዘልኣለማዊን እዩ።

  2. ንክርስቶስ ማእከል ዝገበረ፡ ኣብ መንነትን ውዱእ ስራሕ ክርስቶስን ዝተሰረተ ስለዝኾነ፡

    • ኣብ ጊዜ ዓወት ብጻዕርኻ ዘምጻኻዮ መንነት ስለዘይኮነ፡ ዓወት ክጻወር ዝኽእል እዩ። ኣብ ዓወትካ እትትሕተሉ፡ ንኻልኦትውን ከማኻ እትርእየሉ እዩ ።

    • ኣብ ጊዜ ውድቀት   ውድቀትካ መንነትካ ኮይኑ ስለ ዘይገልጸካ፡ ርእስኻ ናብ ምድርባይ ወይ ተስፋ ምቑራጽ ኣይወስድን እዩ። ስለዚ ውድቀት ክጻወር ዝኽእል  መንነት እዩ።

  3. ትቕበሎ ደኣ እምበር እተጥርዮ ኣይኮነን፡ Received not achieved.

እቲ ክትረኣ(to be seen)፡ ክትፍቀር(to beloved): ቅቡልን ኣገዳስን ኮንካ ክትርከብ(to be accepted and significant)፡ ንህይወትካ ትርጉም(sense of meaning or purpose)፡ ዋጋ(self-worth): ዕጋበትን(fulfillment) ዝኣመስለኑን ናይ ምርካብ ዓሚቝ ድሌት ሰብ፡ ኣብቲ ብክርስቶስ ዘሎካ መንነት ጥቕሉል ኮይኑ ዝለዝወሃበካ፡  ዕጉብን ምሉእን ኴንካ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ዝሃበካ ዝምድናታት ወይ ግደታት ክትገጥሞም ድልው ይገብረካ።  

ኣደነት፣ ሰራሕ ወይ ትምህርቲ፡ ካልእን ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበ ከም ዝኾነ፡ ስለ እትፈልጥ፡ ዕረፍትን ምትእምማንን ካብ ዘለዎ ቦታ ተበጊስካ ኢኻ ክትነብሮም እትቐርብ። ካብ ውሑስ ቦታ ጀሚርካ ስለ ዘለኻ፡ ኣብዚ ዕማም እዚ ዓወት ወይ ውድቀት ምስ ዘጋጥመካ፡ ናብ ትዕቢት ወይ ተስፋ ምቝራጽ ኣይመርሓካን እዩ። ኣብ ክንዳኡ: ንኽልቲኡ ኣጋጣሚታት እትዓብየሉን ንኣምላኽ ከም እተኽብረሉን ጌርካ ኢኻ ትወስዶ። 

ስለዚ ድማ፡ ኣብዚ ኣምላኽ ዝሃበካ ግደ፡ ዝምድና ወይ ሓላፍነትን፡  ትርጕም ወይ ዋጋ ኣይትደልን ኢኻ: የግዳስ ክብሪ ኣምላኽ እተንጸባርቐሉ መገዲ ጌርካ ኢኻ እትርእዮ። ካብዚ ዘተኣማምን መሰረት እዚ ተበጊስካ ፡ ኵሉ እትገብሮ ነገራት ፡ ጸጋን ዕላማን ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ከም ዝውሕዝ ብምርዳእ፣ ከም ንኣምላኽ ኣምልኾ ጌርካ ኢኻ እተቕርቦ።



ምሕዳስ – Restoration፡ 

ዋላ እኳ፡ ኣብ ክርስቶስ እንተ ኣለና፡ ኣብ ዘይድሓነ ስጋን ኣብ ዝወደቐት ዓለምን ስለ እንነብር ዘለና፡ ገና ፍጹማት ኣይኰንናን። ነዚ ዝተዋህበና ሓድሽ መንነት ኣብ መዓልታዊ ጉዕዞና ክንለብሶ እናጽዓርናን፡ ነቲ ኣብ ምምጻእ ክርስቶስ ዝርከብ፡ ምሉእ ምግላጹን ተስፋ እናገበርና ንነብር።

____________________

ከም መጥቓለሊ ዝኾነና፡ ኣብ ኤፌሶን ምዕራፍ 6 ዘሎ ሓሳብ ክንርኢ ኢና። ጳውሎስ ኣብተን ቀዳሞት ምዕራፋት ናይዛ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ እቲ ብክርስቶስ ዘለዎም መንነት ምስ ኣረድኦም፡ ካብዚ መንነት ተበጊሶም ከመይ ኢሎም፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ክመላለሱ ከም ዘለዎም እዩ ዝምዕዶም። 

ኤፌ 6: 5-7

ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩምሲ ብፍርሃት ብምንቅጥቃጥን፡ ብገርህነት ልብኹም ከም ንክርስቶስ ጌርኩም፡ ተኣዘዝዎም።  ከም ግዙኣት ክርስቶስ ኴንኩም ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ እትገብርዎ ደኣ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ብገጽርኤ ኣይኰነን።  ንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ”

መንነት (ከም ግዙኣት ክርስቶስ) ፡– ግዙኣት ክርስቶስ እምበር ግዙኣት ሰብ ዘይኮኑ 

ሓደ ሰብ ባርያ ይኹን ናጻ ብዘየገድስ: ቀንዲ መንነቱ “ባርያ ክርስቶስ” ምኻኑ እዩ። ዋጋን ዕላማን ሓደ ኣማኒ ካብዚ መንነት እዚ እተሰረተ ደኣ እምበር፡ ኣብ ማሕበራዊ ደረጃ ወይ ምድራዊ ዅነታት ኣይኰነን።

መግለጺ መንነት (ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ ምግባር)፡– ኣብቲ ዝተዋህበካ ግደ፡ ንኣምላኽ ምኽባር 

ኵሉ ተግባራት፡ እንተላይ ንምድራዊ ጐይታኻ ምግልጋል፡ "ንጐይታ ከም ምግልጋል" እዩ ዝግበር። እዚ ተኣዛዝነት ወይ ኣገልግሎት፡ ምላሽ ናይቲ ዝተቐበልካዮ መንነት፡ ንኣምላኽ ዝቐርብ ተግባራት ኣምልኾ እዩ። 

ኣትኵሮ ናይዛ ጥቕሲ እምበኣር፡ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ መንነት፡ ንዅሉ መዳያት ህይወት ኣመንቲ፡ ማለት ነቲ  እተፈላለየ ግደታት፡ ዝምድናታትን ጽፍሕታት ህይወትን ብኸመይ ከም ዝቕይሮ ዘርኢ እዩ። 

መጠቓለሊ 

ከምቲ ዝራእናዮ፡ ደቂ ሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ እዮም ተፈጢሮም ፡፡ እዚ ከኣ ንባህርያቱ ኸንጸባርቑን ምስኡ ፍጹም ዝምድና ሃሊዎም ክነብሩን እዩ። ይኹን እምበር ድሕሪ ውድቀት፡ ሰባት ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ኣብ ዝዀነ ነገራት መንነቶም ክደልዩ ጸዓሩ ፣ እዚ ድማ ናብ ምፍልላይ፣ ትዕቢትን ተስፋ ምቑራጽን መርሖም። ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ ነቲ ናይ ሓቂ መንነት መሊሱ ስለ ዘሐደሶ፡ ሰብ ከም ብሓድሽ በዚ መንነት ክብነር ጻውዒት ቀሪቡሉ። ኣብ መወዳእታ ኵሉ ነገር ክሕደስ ከሎ፡ እዚ መንነት ብምልኣት ክግለጽ እሞ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝደሓንኑ ምስ ኣምላኽ ብፍጹም ሕብረት፡  ንምስሉ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝሓለኖ ምሉእ ብምሉእ እና ኣንጸባርቑ ንዘልኣለም ክነብሩ እዮም።

ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ብክርስቶስ ዝረብኸናዮ ሓድሽ መንነት ምስ ኣፍለጠና፡ ኣብ መዓልታዊ ጉዕዞና ክንለብሶን ክንምኮሮን እዩ ዝምህረና። ነዚ ድማ

  1. ኣእምሮና ብቕዱሳት ጽሑፋት ብምሕዳስ

  2. በቲ ዝተዋህበና ሓቂ ብምስትንታን፣ ብምጽላይን፣  ብምእዛዝን

  3. ምስ ኣመንቲ የሕዋት፣ ብምሕባር መንነትካ ብምዝኽኻር

እና እንምኮሮ።

Comments


Join our community!

© 2035 by Turning Heads. Powered and secured by Wix

bottom of page