top of page

ንዶክትሪን በብደረጃ ኣገዳስነቱ ምኽፋል: (Theological Triage): 

  • Writer: ሱራፊኤል
    ሱራፊኤል
  • Apr 29
  • 9 min read

Updated: Apr 29

ዕላማ ናይ ጽሑፈይ (The objective of my writing):


ዕላማ እዚ ጽሑፍ፡  ንዶክትሪን (ኣብዚ ዶክትሪን ክብል ከለኹ:እንኣምኖም ትምህርትታ ወይ ንኽተሎም መምርሒታት ማለተይ እየ። ንምድግጋም መታን ክጥዕም: ንምግላጽ ክኣ ክቐልል ብ ዶክትሪን (Doctrine) ዝብል ቃል ክትክኦ እየ። እዚ ‘Doctrine’ ዝብል ቃል፡ ካብ ናይ ላቲን  ‘Doctrina’ ዝብል ቃል እተወስደ ኾይኑ: ‘ትምህርቲ: መምርሒ’ ዝብል ትርጉም ክኣ የስምዕ።) በብደረጃ ምኽፋል ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምርኣይ እዩ። መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓሳብ Theological Triage (ranking doctrines according their importance) ኢሎም ይሰምይዎ።

እዛ ‘Triage’ ትብል ቃል: ናይ ሕክምና ቃል (Medical term) ኮይና: ከምዚ ዝስዕብ ትግለጽ:

Triage Definition: The preliminary assessment of patients or casualties in order to determine the urgency of their need for treatment and the nature of treatment required.  


ናይዚ ትርጉም ክኣ: ንሓሚሞም ወይ ተጎዲኦም ዘለዉ ሰባት መጉዳእቶም ብምድህሳስ: ነቶም ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ብቐዳምነት ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ምግባር:ወይ ክኣ ከከም መጉዳእቶም: ሕክምናዊ ሓገዝ ምግባር ማለት እዩ። 


ንኣብነት ክንርኢ እንተ-ኾይንና: ክልተ ሰባት: ሓደ ኩዕሶ እግሪ ክጻወት እግሩ እተሰብረ: ሓደ ኽኣ ብጥይት እተሃርመ: ኣብ ሓደ ግዜ ክሕከሙ ናብ ሕክምና ይመጹ:: ኣብቲ ሕክምና ኽኣ ሒደት ናይ ሕክምና ሰብ ሞያ ይጸንሑ: ንሓደ ሰብ ጥራይ ኣብ ሓደ ግዜ ክሕክምሉ ዝኽእሉ ኩነት ይኸውን እሞ: ንኽልቲኦም ድሕሪ ምቕባል: ብቐዳምነት ነቲ ብጥይት እትሃርመ እዮም ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝገብርሉ። ምኽንያቱ እቲ ብጥይት እትሃርመ: ማህረምቱ ከቢድ ስለ ዝኾነ: ሕክምናዊ ረድኤት ቅሩብ እንተ-ደንጉየሞ ክመውት ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ ኩዕሶ እግሩ እተሰብረ ኽኣ ሸለል ብምባል ብዘይ ሕክምናዊ ረድኤት ይመልስዎ ማለት ዘይኮነ:  ሕክምናዊ ረድኤት ድሕሪ እቲ ብጥይት እትሃርመ ይገብርሉ ማለት እዩ።


ከምዚ ኣብ ሕክምናዊ ሞያ ዝግበር ልምምድ: ንሕና ክርስትያናት ውሉድ ጎይታ ውን ብውልቂ ይኹን ብማሕበር: ነቲ ንኣምኖ ዶክትሪን ከከም ኣገዳስነቱ ምኽፍል ከድልየና እዩ። ንኹሉ ዶክትሪን ብዘይሸለልትነት ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ጌርና ንርእዮ: ግን ክኣ ከከም ኣገዳስነቱ ንኸፍሎ። ንዶክትሪን ኣብ ክንደይ ክንከፍሎ ንኽእል፣ : ብኸመይ ኢና ኸ ክንከፍሎ ዘለና ቅድሚ ምርኣይና ግን: እንታይ እዩ ኣገዳስነት ምህላው ቅኑዕ ዶክትሪን: ንኹሉ ዶክትሪን ኣገዳስነቱ ብሓደ ደረጃ ምርኣይ ከ እንታይ እዩ ጉድኣቱ ዝብል ሕቶ ክምልስ ክፍትን እየ። 


ከም ዉሉድ ኣምላኽ፡ ቃል ኣምላኽ እቲ ቀንዲ ንኣምላኽ ክንፈልጠሉን ህይወትና ክንመርሓሉን: እተዋህበና ናይ ኣምላኽ ቃል እዩ።  ዋላ እኳ ኣምላኽ ህላውነቱን: መንነቱን ኣብ ተፈጥሮ ይገልጽ እንተኾነ (መዝ 19): ቃሉ ግን እቲ ቀንዲ ዘይጋገ: በዓል ስልጣን ዝኾነ: ብእስትንፍሱ ንዕኡ ክንፈልጠሉ እተጻሕፈ: ንዓና እተዋህበ ቃል እዩ። ስለዚ እቲ እንኣምኖ ዶክትሪን ኩሉ ካብዚ ቃሉ ዝወጸ ክኸውን: ምስኡ ዝሰማማዕ ክኸውንን ይግባእ።


ካብዚ ቀጺለ ብዛዕባ ኣገዳስነት ቅኑዕ ዶክትሪን ክገልጽ። 


  1. ስለምንታይ ቃል ኣምላኻዊ ዝኾነ ዶክትሪን ክህልወና የድሊ፡ 


ክርስትያናት ኣብ ህይወት ክርስትና ካብቲ ከነወግዶ ዘይንኽእል ነገር እንተ’ሎ: ዶክትሪን ዘይምህላው: ወይ ውን ብዘይ ዶክትሪን ምዃን እዩ። ሓደ ክርስትያን: ኣነ ዶክትሪን የብለይን እንድሕር ይብል ኣሎ: ኣነ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ርእሰይን ዝኣምኖ የብለይን እዩ ዝብል ዘሎ ማለት። ኩሉ ክርስትያን ዝኣምኖ ዶክትሪን ኣለዎ። ኩሉ ክርስትያን ሓድሽ ይኹን ገዲም: ሓደ ወርሒ ዝገበረ ይኹን: 10 ዓመት ዝገበረ ብዛዕባ ኣምላኽን፡ ብዛዕባ ርእሱን ዝኣምኖ ሓሳባት ኣለዎ። እቲ ፍልልይ ክሳዕ ክንደይ እዩ እቲ እንኣምኖ ዶክትሪን መጽሓፍ ቅዱሳዊ፣ እቲ ካልእ ፍልልይ ክኣ ኣሚናዮ ዘለና ዶክትሪን ቅርጺ ዝሓዘ፡ እተሰርዐ ድዩ፣ ወይስ ቅርጺ ዘይብሉ እትሓዋወሰ እዩ፣  


ነቲ ዝኣመናዮሓሳባት  ቃል ኣምላኻዊ ምዃኑ ንምርግጋጽ ክኣ ንቓል ኣምላኽ ብዝግባእን ብስርዓት ኣብ ናይ ጸሎት መንፈስ ኮይንና ክንነቦን ከነጽንዖን ይግባእ።  ቀጺለ ንምንታይ እዩ እቲ እንኣምኖ ዶክትሪን ኣገዳስን: ቃል-ኣምላኻውን ክኸውን ዘድልዮ ንዝብል ሕቶ ሰለስተ ነጥብታት ብምጥቃስ ክምልስ ክፍትን እየ።


 ሀ. ዶክትሪን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እንረኽቦ ሓቅታት: ብጥርኑፍ ጸሚቑ የቕርበልና (Doctrine Summarizes God’s Word.) 


ንኣብነት ናይ ዕርቂ ዶክትሪን እንተ-ርኢና  (Doctrine of the atonement): ንኹሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትምህርቲ ናይ ሕድገት ሓጥያት (God’s forgiveness of sin): ካብ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ መስዋእቲ እንስሳታት ጀሚሩ  ክሳብ ሞት የሱስ ክርስቶስ ንሓጥያትናን ኣብ ክንዳናን ዝገበሮ ናይ መስቀል ውዕለት ይምህር።




ለ. ቅኑዕ ዶክትሪን  ጥዕና ዘለዋ ማሕበር ንኽትህሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ (Doctrine Guarantees the Health of God’s Church)


ሃዋርያ ጳውሎስ ንቲቶስ:

 ‘ቲቶስ 1:5፤ ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ፡

6-8፤ እቲ ኤጶስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይኣኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኵሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግብኦ።’ ድሕሪ ምባል ቀጺሉ ‘ቲቶስ 1:9፤ ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምዕድ፡ ነቶም ተቓናቐንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከአሎስ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ። ብጥዑይ ትምህርቲ (Sound doctrine) ክምዕድ ይነግሮ። ኣብዚ እቲ ጥዑይ ትምህርቲ ንምምሃርን: ነቲ ዘይቅኑዕ ትምህርቲ ንምቅዋምን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንርኢ። 


ሐ. ቅኑዕ ዶክትሪን ጽቡቕ ፍረ ዘለዎ ህይወት ክህልወና ይሕግዝ። (Doctrine Bears Fruit in the Lives of God’s People)


እቲ እንኣምኖ ዶክትሪን ነቲ ንነብሮ ናብራ ይጸልዎ እዩ። ጳውሎስ ንቲቶስ ነቶም ኤጵስቆጶስ ክሸይም ከሎ: ትምህርቶምን ናብርኦምን ክመዝን ይምዕዶ (ቲቶ 1:5-9)። ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ሓሰውቲ መምህራን ከምዚ ኢሉ : ‘ቲቶስ 1:16፤ ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ አለዉ።’ ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብዚ እቲ ዘይ-ኣምላኻዊ ናብርኦም (lifestyle) ነቲ ዘይቅኑዕ ትምህርቶም (unsound doctrine) ከም ዘቃልዖ ንርኢ።


2.  ነቲ እንኣምኖ ዶክትሪን በብደረጅኡ: ወይ ከከም ኣገዳስነቱ ምስራዕ ከ እንታይ ማለት እዩ፣ ብኸመይ ከ ክንሰርዖ ንኽእል፡


ንዶክትሪን በብደረጃ ምስራዕ ማለት: ንኹሉ ዶክትሪን ብሓደ ዓይኒ ዘይምርኣይ: ወይ ንኹሉ ዶክትሪን ከከም ኣገዳስነቱ ምርኣይ ማለት እዩ። ኣብዚ ከከም ኣገዳስነቱ ክብል ከለኹ: ገሊኡ ዶክትሪን ኣገዳሲ እዩ: ገሊኡ ኽኣ ኣገዳሲ ኣይኮነን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ኩሉ ዶክትሪን ክሳብ ቃል ኣምላኽ መበገሲኡ ዝኾነ ኣገዳሲ እዩ። ግን ክኣ ንኹሉ ዶክትሪን ብሓደ ዓይኒ ምርኣይ  ቅኑዕ ኣይኮነን እየ ዝብል ዘለኹ። 


ንኣብነት ዝኾነና ብዛዕባ ሓጥያት ብዓይኒ ቃል ኣምላኽ ከመይ ከም ዝኾነ ክንርኢ ኢና። ከምቲ ዝኾነ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስ ሓጥያት ዝኾነ: ግን ክኣ ኩሉ ሓጥያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓደ ዝኾነ ሚዛን ዘይብሉ ማለት እዩ። ንኣብነት ነብያት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊኡ ሓጥያት ካብ ካልእ ሓጥያት ከም ዝኸፍእ ነጊሮም ኣለው (ኤር 16:12 ህዝ 23:11 ርአ)። የሱስ ክርስቶስውን ኣብ ‘ማቴዎስ 23:23፤ ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ።’ ኣብዚ ኣውራ ነገር ምሕዳግን: ኣውራ ዘይኮነን ኢሉ ፈላልይዎ ኣሎ። ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን ውን ብዘይ-ፍላጥ (unintentional) ዝግበር ሓጥያትን: ብልዕልቲ ኢድ (High-handed) ዝግበር ሓጥያትን ተባሂሉ ተፈላልዩ ኣሎ (ዘሁ 15:22-31)። 


ልክዕ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ብዛዕባ ሓጥያት ዝርኤናዮ: ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዶክትሪን ክዛረብ ከሎ:  ንኹሉ ኣብ ሓደ ደረጃ ከም ዘይሰርዖ ንርኢ። ኣብ ‘1ይ ቆረንቶስ 15:3፤ እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡’ (1 Cor 15: 3 For I delivered to you as of first importance what I also received: that Christ died for our sins in accordance with the Scriptures,) ዛ ኣብ ቕድሚ ኹሉ ትብል ሓረግ ቀዳማይ ኣገዳሲ (of first importance) ዝብል ሓሳብ እያ ‘ተስምዕ። ኣብ ሮሜ 14 ከም እንርእዮውን: ኣብ ገለ ገለ ኣርእስትታት ብዘለና ፍልልይ ከይንብኣስ ይምዕደና። ስለዚ ካብዘን ጥቕስታት ክንርድኦ ንኽእል ‘ተሎ: ኩሉ ዶክትሪን ኣብ ሓደ ደረጃ ክንሰርዖ ከም ዘይንኽእል: ወይ ብሓደ ዓይኒ ክንርእዮ ከም ዘይንኽእል እዩ። 


ቀጺለ ዝርእዮ ሓሳብ እንብኣር: ን ዶክትሪን ብኸመይ ኢና እሞ በብደረጃ ክንከፍሎ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ክፍትን እየ። እዛ ሕቶ ቅድሚ ምምላሰይ ግን: ምስ እዚ ሓሳብ ዝኸይድ: ኣገዳስነቱ ውን ብምልኣት ክንርድኦ ክሕግዘና ዝኽእል ሓሳባት ክገልጽ እየ።  ኣብዚ ኣርእስቲ ክርስትያናት ብሓፈሻ ናብ ክልተ ጫፍት ኢና ንዝምብል: ንሳተን ክኣ: 


  1. ንኹሉ ዶክትሪን ኣገዳስነቱ ብማዕረ ምርኣይ (All doctrines have the same importance). 


ናይዚ ዓይነት ኣትሓሳስባ ዝፈጥሮ ጸገም ‘ተሎ: ንኹሉ ዶክትሪን ኣገዳስነቱ ብሓደ ስለ-እንርእዮ: ምስ ካልኦት ኣሕዋት ብኽንብኣሰሉ ዘይግብኣና ኣርእስትታት ንብኣስ: ንቀያየም እሞ ንሕብረት እታ ማሕበር ክርስቶስ ንምምቕቓል ምኽንያት ንኸውን።


  1. ንኹሉ ዶክትሪን ኣገዳስነቱ ኣቕሊልካ ምርኣይ: (Doctrinal Minimalism)


ናይዚ ዓይነት ኣትሓሳስባ ዘስዕቦ ጸገም ‘ተሎ ኽኣ: ኣገዳስነት ናይ ዶክትሪን ስለ ዘይርኣየና: ዋላ ኣብ መንጎና ናይ ስሕተት ትምህርትታት ይልዓል: ሸለል ኢልና ንርእዮ እሞ: እዚ ናይ ስሕተት ትምህርትታት ክኣ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ኣዕናዊ ይኸውን። 


ስለዚ ከም ውሉድ ኣምላኽ: ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክወን ክልተ ርድኢታት ኣወጊድና: ኩሉ ዶክትሪን ኣገዳሲ ከም ዝኾነ: ግን ክኣ ንኹሉ ዶክትሪን ከከም ኣገዳስነቱ በብደረጃ እንዳ-ሰራዕና ክንርእዮ ምምሃር ከድልየና እዩ። ብዛዕባ ኣገዳስነት ዶክትሪን ክንዛረብ ከለና ብሓፈሻ ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ክንከፍሎም ንኽእል ምበልኩ (ካብ ሰለስተ ንላዕሊ ውን ክንፍሎም ንኽእል ኢና: ኣነ ግን ኣብ ሰለስተ ክኸፍሎም መሪጸ ኣለኹ)።


ቀዳማይ ደረጃ ዶክትሪን (ነዘን ዶክትሪናት ምኽሓድ ማለት: ካብ ጽላል እምነት ክርስትና ወጺኻ ኣለኻ ማለት እዩ።[A denial of which represents the eventual denial of Christianity itself])።  

ኣብዚ ደረጃ ዝስርዑ ዶክትሪናት፡ ኣብ እምነት ክርስትና መሰረታውያን ዝኾኑ ትምህርትታት እዮም። እዞም ትምህርትታት ንክርስትና ክርስትና ዘብልዎ: ካብ ካልእ እምነታት ውን ብጠቕላላ ዝፈልይዎ እዮም። ነዞም ትምህርትታት ምኽሓድ ንሓደ ሰብ ካብ ጽላል ክርስትና ንወጻኢ የቐምጦ። 



ካልኣይ ደረጃ ዶክትሪን (ኣብዚ ክርስትያናት ብዶክትሪን ክፈላለዩ ይኽእሉ: ብእኡ መንጽር ክኣ ብማሕበር ደረጃ ይፈላለዩ። [Doctrines upon which Bible-believing Christians may disagree, but they create significant boundaries between believers, whether as distinct congregations or denominations])። 


ሳልሳይ ደረጃ ዶክትሪን (ኣብዚ ክርስትያናት ክፈላለዩ ይኽእሉ: ግን ኣብ ሕብረት ብሓደ ጸኒዖም ይኸዱ። [Upon which Christians may disagree, but yet remain in close fellowship, even within local congregations])። 


ree

ኣየኖት ዶክትሪን እዮም ምስ ቀዳማይ ደረጃ ዝስርዑ: ኣየኖት ከ ምስ ካልኣይ: ኣየኖት ከ ምስ ሳልሳይ ደረጃ ይስርዑ ዝብል ሕቶ ምምላሰይ: ን ዶክትሪን ብኸመይ ክንፍሎ ንኽእል: ወይ ኣበይ ተሞርኪስና ክንከፍሎ ኣለና ዝብል ሕቶ ክምልስ ክፍትን እየ። ንዶክትሪን በብደረጃ ንምኽፍል ዝሕግዙና ሸውዓተ ነጥብታት ክዝርዝር እየ። 


  1. ንጹርነት ናይቲ እንኣምኖ ዘለና ዶክትሪን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ (Biblical Clarity)


  1. እቲ እንኣምኖ ዘለና ዶክትሪን ንምርዳእ ባህሪ ኣምላኽ ብኸመይ ይጸልዎ፣ (Relevance to the character of God)


  1. እቲ እንኣምኖ ዶክትሪን ንመልእኽቲ ወንጌል ብኸመይ ይጸልዎ፣ (Relevance to the essence of the Gospel)


  1. እቲ እንኣምኖ ዘለና ዶክትሪን ንምርዳእ ካልኦት ዶክትሪናት ብኸመይ ይጸልዎ፣ (effect on other doctrines)


  1. እቲ እንኣምኖ ዘለና ዶክትሪን ክሳዕ ክንደይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ንረኽቦ: ኣብ ቃል ኣምላኽ ከ ክሳዕ ክንደይ ሚዛን ተዋሂብዎ ንርኢ፣ ((biblical frequency and significance (how often in Scripture it is taught, and what weight Scripture places upon it)


  1. ጽልዋ ናይቲ እንኣምኖ ዘለና ዶክትሪን ኣብ ውልቅናን ማሕበርን ከመይ እዩ፣ (effect on personal and church life)


  1. እቲ እንኣምኖ ዘለና ዶክትሪን ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስያን ብኸመይ ይርአ ኔሩን ኣሎ ኽኣ፣ (Consensus among Christians (past and present)


እዞም ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርክዎም ነጥብታት እንብኣር ነቲ እንኣምኖ ዶክትሪናት ከከም ኣገዳስነቶም ክንከፍሎም ይሕግዙና። 


ቀዳማይ ደረጃ ዶክትሪን እንብሎም: ከም ምህሮ ስላሴ: ምህሮ መንነት የሱስ ክርስቶስ: ምህሮ ኣምላኽነት መንፈስ ቅዱስ: ምህሮ የሱስ ክርስቶስ  ካብ ድንግል ምውላዱ (The Virgin Birth)። ምህሮ የሱስ ከም ዝሞተን እተሰቕለን እተቐብረን: ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ውን ከም ዝተንስአ። ምህሮ ዳግማይ ምምጻእ የሱስ ክርስቶስ: ምህሮ ስልጣን ቃል ኣምላኽ (መጽሓፍ ቅዱስ ብእስትንፍስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፍ ምዃኑ ዝምህር ምህሮ)። ምህሮ ምድሓን ብእምነት ብጸጋ። ምህሮ መገዲ ምድሓን ብየሱስ ጥራይ ምዃኑ። 


እዞም ቀዳማይ ደረጃ ዶክትሪን እንብሎም: ንምንታይ ኢና ቀዳማይ ደረጃ እንብሎም እንተ’ልና: ገሊኦም ነቲ ንነግሮ ጥዑም መልእኽቲ ዜና ወንጌል (Gospel) ክንእውጆ ብጣዕሚ ኣገደስቲ እዮም። ገሊኦም ክኣ ነቲ ንነግሮ ጥዑም መልእኽቲ ዜና ወንጌል(Gospel): ካብ ጌጋን: ዝስሓተ መልእኽትን ከይሕወሶ ንኽንከላኸሎ ይሕግዙና። ብዘይ ብእኦም እቲ ጥዑም መልእኽቲ ዜና ወንጌል: ጥዑም መልእኽቲ ኣይከውንን: ምሉእ ውን ኣይከውንን (Some first-rank doctrines are needed to defend the gospel, and others to proclaim the gospel. Without them the gospel is either vulnerable or incomplete.) እዞም ትምህርትታት ንክርስትና ክርስትና ዘብልዎ እዮም። ስለዚ ነዞም ምህሮታት ዝኽሕድ ወይ ዘበላሹ ትምህርትታት ኣብታ ዘለናያ ማሕበር ክንሰምዕ ከለና ብትብዓት ክንቃወሞን: ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ድማ ብትብዓትን: ትግሃትን ክንምህሮ ይግባእ።


ካልእ ኣብዚ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ዘለዉ ዶክትሪን ከነስተውዕሎ ዘለና: ብሰንኪ ጥዑይ ምርዳእ: ወይ ጥዑይ ምህሮ ምምሃር እተጋገየ ምርዳእ ዘለዎ ውልቀ-ሰብን: ብፍላጥ ወይ ብምርዳእ ንምህሮ ቀዳማይ ደረጃ ዶክትሪን ዝኽሕድ ውልቀ-ሰብን ብሓደ ዓይኒ ክንርእዮም ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ እቲ ቀዳማይ ስኣን ምምሃር ወይ ምርዳእ እዩ ግጉይ ምርዳእ ዝሕዝ ዘሎ (እዚ ነገር ኣብቶም ናብ እምነት ክርስትና ዝመጹ ሓደሽቲ ነፍሳት ብብዝሒ ክንርእዮ ንኽእል ኢና።) እዚ ሰብ እዚ: ከምቲ ኩልና ኣብ ህይወት ክርስትና እንሓልፎ: ኣብ መጀመርታ ህይወት ክርስትና ብዙሕ ዝርድኣና ምህሮታት ከም ዘየለ: ንምርድኡ ውን ከም እንሽገር: ምስ ግዜ ግን እናተምሃርናን: እናጽናዕናን ብርድኢት እናዓበና እንመጽእ: ከምኡ ኽኣ ነዚ ውልቀ-ሰብ ግዜ ሂብና ክንጽበዮን: ካብኡ ሓሊፉ ኽኣ ዝስሓተ ምህሮ ይኣምን ከም ዘሎ ብምንጋር: ናብ ቅኑዕ ምርዳእ ክበጽሕ እናምሃርናን ምዓድናን ክንሕግዞ ይግብኣና። እቲ ካልኣይ ውልቀ-ሰብ ግና ብርድኢትን ብፍልጠትን እዩ ነቲ ምህሮታት ዝኽሕዶ ዘሎ: ነዚ ሰብ ግን ኣዝዩ ተጋግዩ ከም ዘሎ ብምንጋር: ተነሲሑ ናብቲ ቅኑዕ ትምህርቲ ክምለስ ክንነግሮ: ኣባል እታ ማሕበር ክርስቶስ ከም ዘይኮነን ክኣ ክንነግሮ ይግባእ።


ካልኣይ ደረጃ ዶክትሪን እንብሎም: ከም ምህሮ ብዛዕባ ጥምቀት (ብዕሸልካ እትጥመቖ: ወይ ክኣ ምስ ኣመንካ እትጥመቖ): ምህሮ ብዛዕባ ናይ መሪሕነት ቦታ ብመንጽር ደቂ-ተባዕትዮን ደቀ-ኣንስትዮን (Complementarianism Vs Egalitarianism): ምህሮ ብዛዕባ ቀጻልነትን ስራሕን: ውህበት መንፈስ ቅዱስ (Cessationisim Vs Continuationism).


ኣብዚ ካልኣይ ደረጃ ዶክትሪን ዘለው ምህሮታት ኣብ ኣካይዳን ቅርጺ ናይታ ማሕበርን ክጸልዉ ስለ ዝኽእሉ: በብማሕበር ንኽንከፍፈል ምኽንያት ይኾኑ እዮም። ስለዚ ኣብዚ ምህሮታት ምስቶም ካባና ብሓሳብ ዝፍለዩ: ከም ብጎይታ ኣሕዋት ብፍቕርን ብጥበብ ከይተኻሰስናን ከይተወናጀልናን ፍልልያትና ንምጽባብን: ንምርድዳእን እናተዛራረብና እንተ ተኻኢሉ ውን ኣብ ሓደ ሓሳብ ንምምጻእ ክንጽዕር ኣለና። 


ሳልሳይ ደረጃ ዶክትሪን እንብሎም: ከም ምህሮ መወዳእታ ግዜ (Doctrine of Eschatology): ምህሮ ሽሕ ዓመት ብመሰረት ራእይ የውሃንስ 20 (Nature of the millennium in Revelation 20)። ምህሮ መዓልታት ፍጥረት ብመሰረት ዘፍጥረት 1 (The creation days of Genesis 1)። 


ኣብዚ ሳልሳይ ደረጃ ዶክትሪን ዘለው ምህሮታት ክኸፍፍሉና ዘይብሎም ምኽንያት ክኣ: ብዙሕ ንጥዕና ናይታ ማሕበርን: ነቲ ክርስትያናዊ ኣካይዳናን ስለ ዘይጸልውን እዮም። 


መደምደምታ: 


ንዶክትሪን ከከም ኣገዳስነቱ ምኽፋል ብጣዕሚ ኣገዳሲ

ነገር እዩ። እዚ ሓሳብ ከም ክርስትያናት ብቃል ኣምላኽ  መሰረት ዶባትና እንፈልጠሉን: እንሕንጽጸሉን ከነተግብሮ ዘለና ሓሳብ እዩ። እዚ ነገር ብግቡእ ምግባር ካብ ንሓድሕድና ከም ጸላእቲ ምርኣይ: ከምኡ ውን ካብ ንሓድሕድና ምንኻስን ምጥፋእን ከድሕነና እዩ። ነቲ ሞጋሰ ኣምላኽ ድማ ካብ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ምሕላውን: ብቕኑዕ ትምህርቲ ጌርካ ነቲ ስሑት ትምህርቲ ኣብ ምቅላዕን: ምፍራስን ውን ሓጋዚ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ እንኣምኖ ዶክትሪን በብደረጃ ስለ ዘይንኸፍሎ: ነቶም ብጎይታ ኣሕዋትና ብሓሳብ ኣብቲ 2ይን 3ይን ደረጃ ዘለው ትምህርትታት ካባና ስለ እተፈለዩ ጥራይ ከም ጸላእትና ነሳጉጎም: ብኣንጻሩ ኽኣ ነቲ ናይ ስሕተት ትምህርታት ኣዕናውን ቀታልን ነቲ ሞጋሰ ኣምላኽ እንከሎ: ብሸለልትነት ስቕ ኢልና ንርእዮ። ሕጂ ግን ነቲ እንኣምኖ ዶክትሪን ቅድም ቃል ኣምላኻዊ ድዩ ኣይኮነን ተጊህና ከነጽንዖ: ብምቕጻል ክኣ በብደረጃ ክንከፍሎ እሞ: ምስ ብጎይታ ኣሕዋትና ብዓይኒ ፍቕርን ምሕረትን እናተዘራረብናን: እናተበዳዳህናን ናብ ሓደ ምርዳእ ክንመጽእ እንዛራረበሉን: እንጽዕረሉን ግዜ እዩ። ብእኡ መንጽር ክኣ ነቲ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ብትብዓትን ትግሃትን ብምቅዋም ነቲ ሞጋሰ ኣምላኽ እንከላኸለሉ ግዜ እዩ። 

ይሁዳ 1:3፤ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ። ኣምላኽ ነዚ ክንገብር ብጸግኡ ይርድኣና። ኣሜን!!







ንዝያዳ ነዚ ኣርእስቲ ንምጽናዕ ዝሕግዙ መወከሲታት:

መጻሕፍቲ:

  • Finding the Right Hills to Die On: The Case for Theological Triage ብ ጋቭን ኦርቱለንድ

  • Life’ s Biggest Questions: What the Bible Says about the Things That Matter Most ብ ኤሪክ ቶነስ

  • When Doctrine Divides the People of God: An Evangelical Approach to Theological Diversity ብራይን ፑትማን

Comments


Join our community!

© 2035 by Turning Heads. Powered and secured by Wix

bottom of page