ወንጌል ኣብ መዓልታዊ ህይወት ኣመንቲ
- ፍረሂወት

- May 12
- 7 min read
Updated: Jun 28
ወንጌል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ብብዝሒ ተደጋጊሙ እንረኽቦ ሓሳብ እዩ። ካብ ልሙድ ምዃኑ እተላዕለውን ብዛዕባኡ ብቓልና ዝሸምደድናዮ ገለ ጥቕስታት ኣይስኣንን እዩ። እዚ ወንጌል ዝብል ሓሳብ መሰረታዊ (basic) ትምህርትን ርዱእ ሓሳብን ጌርና ስለ እንወስዶ፡ ብዛዕብኡ ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብል ኢልና ኣይንሓትትን ኢና። ከም መእተዊ ክኾነና፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ብዛዕባ ወንጌል እንታይ ከም ዝበሎምን፡ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ማሕበር ከመይ ከም ዝነበረትን ክንርኢ ኢና።
ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ መልእኽቲ ክጽሕፈሎም ከሎ፡ እታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ማሕበር ከባቢ 25 ዓመት ጌራ ከም ዝነበረት እዩ ዝግመት። ከምኡ ክነሱ ግን፡ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ነዞም ኣመንቲ፡ ወንጌል ክሰብከሎም ድሉው ከም ዝኾነ እዩ ገሊጽሎም (ሮሜ 1: 15)። ኣብዚ ክፍሊ ንርእዮ እንተሎ፡ ጳውሎስ ነዛ 25 ዓመት ዝገበረት ማሕበር መልእኽቲ ወንጌል የድልያ ምዃኑ ከም ዝኣምን እዩ። ወንጌል ከምቲ መብዛሕትና ብልማድ፡ ናብ እምነት ክርስትና ክትመጽእ ከለኻ ዘድልየካ መልእኽቲ ጌርና እንርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዋላ እታ 25 ዓመት ኣብ እምነት ዝገበረት ማሕበር ክትሰምዖ ዘድልያ መልእኽቲ ምዃኑ እዩ። ጳውሎስ ስለምንታይ እዩ ነዛ 25 ዓመት ዝገበረት ማሕበር፡ እንደገና ወንጌል ክሰብከላ ድሉው ዝነበረ?
እቲ ምኽንያት፡ ወንጌል ሰሚዕካዮን ተቐቢልካዮን እትሳገረሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ፡ ደጋጊምካ እናሰማዕካዮን እናተቐበልካዮን እትነብር ብስራት ስለ ዝኾነ እዩ፡፡ እንድሕነሉ ሓይሊ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ብዝሰማዕናዮ መጠን፡ ውሽጣዊ ምቕያር (transformation) እናረኸብና፡ ጽልውኡ ድማ ኣብ መዓልታዊ ናብራና እናተራእየ፡ ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓድሽ መንነት እናለበስናዮ ክንመጽእ ይገብረና (ሮሜ 1:16 )።
ነዚ ቅድሚ ምርኣይና እምበኣር፡ ትርጉሙን ትሕዝቶን ወንጌል ክንርኢ።
ትርጉም፡
ወንጌል ካብ εὐαγγέλιον (euangelion) ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸ ኾይኑ፡ ዘሕጉስ ብስራት ወይ ጥዑም ዜና (good news) ዝብል ትርጉም ኣለዎ።
ኣብ ብሉይ ኪዳን ተሪኢና፡ ኢሳይያስ “እቲ ብስራት ዜበስር፡ ሰላም ዜውሪ፡ ሰናይ ዜበስር፡ ምድሓን ዜውሪ፡ ንጽዮን ከኣ፡ ኣምላኽኪ ይነግስ፡ ዚብል፡ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን” (52:7) ኢሉ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ እስራኤል ንዝገብሮ ምድሓን ዝተነበየሎም ናይ ምጽንናዕ ቃል ንረክብ (ነዚ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 10፡15-16 ምስ ወንጌል ኣተሓሒዙ ተጠቂሙሉ ኣሎ)።
እዚ ድማ፡ ብቐረባ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዝገብሮ ምድሓን(ምምላስ) ህዝቢ እስራኤል ካብ ምርኮ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብቲ ዓቢ ስእሊ መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ ንዝገብሮ ምድሓን ዘማዕደወ እዩ ኔሩ። እዚ ብኸፊሉ ተጋሂዱ ንዝነበረ ተስፋ ምድሓን ኣምላኽ እዩ እምበኣር፡ ኣብ ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ኣብ ክርስቶስ መፈጸምታ ከም ዝረኸበ ጎሊሑ ክቃላሕ ከሎ ንረኽቦ።
እዚ ምስ ምምጻእ እቲ መሲሕን ምግሃድ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ምድሪን ተተሓሒዙ ዝመጸ ናይ መንግስቲ ናይ ኣዋጅ ቃል፡ ብኣጋጣሚ ኣይነበረን፡፡ ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ–ሮማዊ ዓለም፡ ሓደ ንጉስ መንግስቲ ሒዙ ካብ ውግእ ተዓዊቱ ክምለስ እንከሎ፡ ነቲ ናቱ ዓወት ክእውጁ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ናይ ብስራት ቃል እዩ ኔሩ። ጸሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን ድማ ነዚ ቃል ወሲዶም ነቲ ብክርስቶስ ዝመጸ ዓወትን ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ብስራት ክእውጁሉ ተጠቕሙሉ።
ስለዚ ወንጌል እቲ ኣምላኽ ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣተስፍይዎ ዝነበረ ምምጻእ ናይ እቲ መሲሕ፡ ኣብ ህይወትን ሞትን ትንሳኤን ዕርገትን ክርስቶስ ዝተፈጸመ፡ ንምድሓን ድማ ሓይሊ ዝኾነ፡ ኣዋጅ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ።
ትሕዝቶ፡
ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑን ምስሉን ምስ ገበረ፡ ነታ ዝፈጠራ ዓለም ክገዝኡ፡ ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦም። በዚ ኸኣ ኣምላኽ መንግስቱ ብደቂ-ሰባት ጌሩ ኣብ ምድሪ ተኸለ። (ዘፍ 1-2)
ሰብ ግን ብዘይ ምእዛዙ ካብ ኣምላኽ ዓለወ። ሓጥያት ናብ ዓለም ኣተወ’ሞ መንግስቲ ጸልማት ኣብቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ዓለም ክገዝእ ጀመረ። ሰብ ድማ ዕላማን ምኽንያት ምፍጣሩን ስሓተ። ብርእሱ ክመላለስ ጀመረ። ብሰንኪ ሓጥያት ምስ ኣምላኽ፡ ምስ ገዛእ ርእሱን ካልኦትን ዝነበሮ ዝምድና ተባላሸወ፡፡ (ዘፍ 3)
ኣምላኽ ግን ብምሕረቱ መድሓኒ ከም ዝሰድድ እሞ፡ ንሰብ ከም ዘድሕን፡ ንሰይጣንውን ከም ዝስዕር ኣብ ዘፍጥረት 3፡15 ኣበሰረ፡፡ እዚ ናይ ምድሓን ታሪኽ ብገስጋሳዊ ምግላጽ (progressive revelation) እናዓበየን እናነጸርን ኣብ ብሉይ ኪዳን ኪኸይድ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣብቲ ብስጋ እተገልጸ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ መፈጸምታ ረኸበ።
ኣምላኽ ብህይወትን ሞትን ትንሳኤን የሱስ ኣቢሉ ምስ ርእሱ ክዓርቀና ፈተወ፡፡ ንክርስቶስውን ቦኽሪ ምውታት ጌሩ ኣተንስኦ፡ ክርስቶስ ክኣ ናብ ኣቦ ዓረገ። ነቲ ብክርስቶስ ዝተፈጸመ ምድሓን፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣማኒ ህያው ክገብሮ መጸ፡ ማሕበር ኣምላኽ ድማ ተወልደት። እቲ ብክርስቶስ ኮይንካ ዝርከብ ሓድሽ ፍጥረት (2ቆረ 5:17) ክኣ ተጀመረ። ኣብ ዳግማይ ምምላስ ክርስቶስ ድማ ኵሉ ነገር ክሕደስ ምዃኑ፡ ቃል ኣምላኽ ይምህረና።
ተግባራውነቱ:
ነዚ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ሙሉእ ታሪኽ ምድሓን ኣምላኽ፡ ኣብ ህይወትና ክንሙከሮ፡ ወንጌል ክንሰምዕ (ሓንሳእ ዘይኮነ፡ ኩሉ ጊዜ) እሞ ክንቅበሎ፡ ኣብኡ ድማ ጸኒዕና ደው ክንብል የድሊ።
1ይ ቆረንቶስ 15:1-5
ኣሕዋተየ፡ ንኸንቱ ኣሚንኩም እንተ ዘይኰንኩም፡ ከምቲ ኣነ ዝሰበኽክዎ ጌርኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹምሲ፡ እቲ ዝሰበኽኹልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘሎኹምን ብእኡውን እትድሕኑሉን ወንጌል ኤፍልጠኩም ኣሎኹ።እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ፡፡ ንኬፋ፡ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ።
ኣብዛ ጥቕሲ ጳውሎስ፡ ነቲ ንሱ እተቐበሎ ወንጌል፡ ከም ‘ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ኣገዳሲ’ ነገር ጌሩ ንሰብ ቆረንቶስ ኣቐዲሙ ነጊርዎም ከም ዝነበረ፡ ዝተቐበልዎን ዝድሕኑሉ ዘለው መልእኽቲ ምዃኑ እዩ ደጊሙ ዘዘክሮም ዘሎ። ካብዚ እቲ ሰሚዖም ዝተቐበልዎ፡ ዝተሰረቱሉን ወንጌል፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እተፈጸመ ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብኦም ዝፍጸም ናይ ምድሓን መስርሕ ምዃኑ የረድኣና።
ነቲ እንደገና ክሰምዕዎ ዝደልዮም ዘሎ ወንጌል ክገልጾ ከሎ ኸኣ፡
“ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ”
ከምቲ ኣብ ጽሑፋት ብሉይ ኪዳን ተነጊሩሉ ዝነበረ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጥያትና ሞተ፡፡ ሞቱ ዘረጋግጽ ድማ ምቕባሩ እዩ። ከም መፈጸምታ እቶም ጽሑፋት ድማ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተንስአ፡ ንብዙሓትውን ተራእየ። እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ከኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ዝረኸቦ ዓወት ሓቂ ምዃኑ ዘረጋግጹልና እዮም። ስለዚ ወንጌል፡ ክርስቶስ ንሓይሊ ሞት ስዒሩ፡ ከም ዝነገሰ፡ ኣብ ኩሉ ድማ ስልጣን ከም ዘለዎ፡ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ድማ ካብዚ ተማቐልቲ ከም ዝኾኑ ዝእውጅ ጥዑም ዜና እዩ።
ነዚ ሓቂ ኣሚና ምስ ደሓና ፡ እቲ ናይ ምድሓና መስርሕ ብሰለስተ እተፈላለዩ ደረጃታት ወይ መዳያት ክግለጽ ይኽእል።
ምድሓን ካብ መቕጻዕቲ ሓጥያት (saved from penalty of sin) ሮሜ 6:23
ምድሓን ካብ ሓይሊ ሓጥያት (saved from power of sin) ሮሜ 6:13-14
ምድሓን ካብ ህላወ ሓጥያትን (saved from presence of sin) ራኢ 21:4
ከምቲ ብወንጌል ኣሚና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦ ጽድቂ (ቅኑዕ ኮንካ ደው ምባል)* ዝረኸብና፡ ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓድሽ ህይወት፡ ብመንፈስ ቅዱስ እናተሞከርና ንኸደሉ እንኮ መንገዲውን ንሱ እዩ። ከምቲ ንምጽዳቕና (justification) ወንጌል ወሳኒ ዝነበረ፡ ንምቕዳስና (sanctification) ኾነ ንምኽባርናዉን (ኣብ መወዳእታ ዝኸውን ምድሓን ስጋና – glorification) ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡፡
እቲ ናይ መጀመርታ ምድሓን ምስ ረኸብና፡ ኣብ ቤት-ኣምላኽ እናተመላለስናን ኩሉ ንጥፈታት ክርስትና እናገበርና ከለናስ: ነቲ ንክርስቶስ እናመሰልካ ምኻድ (እቲ ወንጌል ኣብ መዓልታዊ ህይወት ናይ ኣማኒ ዘምጽኦ ለውጢ) ከይተሞከርና ኩልሳዕ ኣብቲ ኣረጊት ሰብና ክንነብር ንኽእል ኢና። እቲ ብወንጌል ዝመጽእ ለውጢ እንተ ዘይተሞኪርናዮ፡ እዚ ዝስዕብ ዓይነት ኣካይዳ ኣብ ህይወትና ይረኣይ።
ሕጋዊ ምዃን፡ Falling into legalism ኣብ ጸጋ ክርስቶስ ከይተወከልካ፡ ናብራ ክርስትና ምንባር፡፡ ገለ መለለዪ ናይዚ ድማ.....
ብተግባራትካ ምዅራዕ፡ ርእስኻ ምስ ካልኦት ምውድዳር፡ ንካልኦት ምኹናን
ክትጎድል ከለኻ ናብ ኣምላኽ ትቐርበሉ ትብዓት ምስኣን
ፍረ መንፈስ ዘይምህላው (ፍቕሪ ሓጐስን ሓርነትን ካልኦትን)
ከም ቀደምካ ምንባር፡ To live as we used to ኣብቲ ኣረጊት መንነት (ናይ ቀደም ኣተሓሳስባን ልማዳትን) ምንባር፡፡ ገለ መለለዪ ናይዚ ድማ.....
ብፍርሒ፡ ብጭንቀት፡ ብሕፍረት፡ ብኹነኔ ምንባር
ርትዒ ሓጥያት ዘይምህላው፡ ብዓለማዊ ድሌት ምንባር
ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘተኮረ መንነት ሒዝካ ምንባር (ኣሳልጦ፡ ትርኢት፡ ተቐባልነት፡ ሃብቲ ..)
ነዘን ክልተ ዘመሳስለን ነገር እንተሎ ጸጋ ዘይምህላዉ እዩ። ካብቲ ብጸጋ ኣምላኽ እተቐየረ ህይወት ስለ ዘይነቅል ድማ ኣብ ማእሰርቲ (ሕጊ ኣልቦነት ወይ ሕጋውነት) የንብረካ።
በንጻሩ ብወንጌል ክርስቶስ ናይ ሓቂ ለውጢ ዝረኸበ ሰብ ግን፡ ዝገብሮ ዘበለ ኹሉ ተቐባልነት (ኣብ ኣምላኽ ይኹን ኣብ ሰብ) ንምርካብ ዘይኮነስ፡ ንፍቕሪ ክርስቶስ ምላሽ ከም ምሃብ ጌሩ ይገብሮ። በዚ ድማ ሓጎስን ሓርነትን የስተማቕር። እቲ ዘለዎ ህይወት ካብ ጸጋ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ብትሕትናን ብፍቕሪን ንኻልኦት የገልግል። ኣብ ጊዜ መከራ ክጸንዕ፡ ኣብ ውድቀት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብትብዓት ክቐርብ ዝኽእል እዩ። እዚ ዘርእየና፡ እቲ ወንጌል ኣብ ህይወት ሓደ ኣማኒ ምስ ዝዓዪ፡ ንክርስቶስ ከም ንጉስን ገዛኢ ህይወቱን ስለ ዝተቐበሎ ንትእዛዛት ኣምላኽ ክፍጽም ይተግህ።
ነዚ ለውጢ ብኸመይ ኣብ ናብራና ንሙከሮ?
መጀመርታ ነቲ ብርትዒ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ህይወትና እንርእዮ፡ ብቓል ኣምላኽ ዘይተገዝኣን ዘይተቐየረን ነገራትና (ኣተሓሳስባና፡ ኣካይዳና፡ ልምድታትና፡ ድሌታትና ) ሒዝና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ።
ኣብ ክንዲ ስምዒታትና፡ ጸጋ ኣምላኽ ዝያዳ ኣብ ህይወትና ከም ዝዛረብ ምግባር። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንድሕነሉ ኢሉ ዝሃበና ወንጌል፡ ደጋጊምና ንርእስና ብምስባኽ፡ ንይቕረታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመንነትን ዕረፍትን ናብ የሱስ ክርስቶስ ብምምላስ እዩ።
ነዚ ምስ የሕዋትና ኮይና ምግባር
ግብራዊ ኣብነታት፡
እንታይ የሸግረኒ ኣሎ? ሕሉፍ ጣዕሳ፡ ናይ ገበንን ሕፍረትን ስምዒት
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበርክዎ ሓጥያት፡ ሕማቕ ውሳነታትን እናመጸ: ‘ብሰንኩ ሕጂ ይቕጻዕ ኣለኹ’ ዝብል ሓሳብ
ወንጌል ብዛዕባዚ እንታይ ይብል? ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ፡
ዓስቢ ሓጥያት ሞት እዩ። ክርስቶስ ድማ ምእንቲ ሓጥያተይ ሞይቱ፡ ነቲ መቕጻዕቲ ወሲድዎ እዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስኡ ሰቒልዎ ስለዝኾነ፡ ካብ ዝሓለፈ ጥዕሳ፡ ገበነኛነት ወይ ሓፍረት ሓራ ወጼ እዬ። እቲ ኣረጊት መንነተይ ተቐቢሩ እዩ። እቲ ሕጂ ዘሎኒ ህይወት እታ ካብ ክርስቶስ ዝተቐበልክዋ እያ።
እንታይ የሸግረኒ ኣሎ? ኣብ ሓጥያት ምውዳቕ
ዝገበርክዎ ሓጥያት ከቢድ እዩ፡ ናብ ኣምላኽ ክቐርብ ትብዓት የብለይን
ወንጌል ብዛዕባዚ እንታይ ይብል? ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተንስኣ ……..ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብትብዓት ምእንቲ ክቐርብ፡ ክርስቶስ ምእንታይ ሞት። ስለዚ ሓጢኣት እንተገበርኩ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎኒ፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ እዩ። ሓጢያተይ እንተ ተናዘዝኩ፡ ንሱ ይቕረ ክብለለይ፡ ካብ ኵሉ ዓመጻይውን ኬንጽሃኒ እሙንን ጻድቕን እዩ።
እንታይ የሸግረኒ ኣሎ? ናይ መንነት ጸገም
ኣብ ሰባት ተቐባልነት ይደሊ፡ ነቐፌታ ይሕመኒ፡ ይምካሕ (ብመልክዕ፡ ሃብቲ፡ ውሉድ፡ ደረጃ ትምህርቲ..)፡ ‘ድሕሪ ሰብ ተሪፈ’፡ ‘ብቑዕ/ቕዕቲ ኣይኰንኩን’፡ ‘ኣብቲ ዝገብሮ ነገር ጎዲለ’
ወንጌል ብዛዕባዚ እንታይ ይብል? ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና ....... ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡
እቲ ብደረጃ ትምህርቲ፡ ብመልክዕ፡ ሃብቲ፡ ብውላድ፡ ብክእለት፡ ብናይ ሰባት ሪእቶ፡ ካልእን ተሃኒጹ ዝነብረ ዝነበረ ኣረጊት መንነተይ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሃበኒ ሓዳሽ መንነት ክመላለስ ምእንቲ ምስ ክርስቶስ ተሰቒሉ እዩ፡፡ ሕጂ የለን።
እንታይ የሸግረኒ ኣሎ? ነብስኻ ምጽላእ
ጽቡቕ/ጽብቕቲ ኣይኮንኩን፡ ኣካላዊ ለውጢ ምቕባል ይኣብየኒ፡ ምስ ካልኦት ርእሰይ የወዳድር
ወንጌል ብዛዕባዚ እንታይ ይብል? ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡ በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና
ኣምላኽ ንዓለም ቅድሚ ምስራቱ ዝሓረየኒ፡ መስተንክርን ድንቅን ጌሩ ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠረኒ፡ ገና ጸላኢቱ ከለኹ፡ ብክርስቶስ ዘፍቀረኒ፡ ኣብቲ ብበደለይ ሞይተ ዝነበርኩሉ ምስ ክርስቶስ ህያው ዝገበረኒ ሰብ እዬ፡፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ብክርስቶስ ብልጽቲ እዬ።
እንታይ የሸግረኒ ኣሎ? ፍርሕን ጭንቀትን:
ትርኢተይ፡ ጥዕናይ፡ ፋይናንሰይ፡ መጻኢየይ፡ ኣተዓባብያ ደቀይ፡ ዝምድናታተይ፡ መጻኢ ደቀይ ይጨንቐኒ
ወንጌል ብዛዕባዚ እንታይ ይብል? እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር፡ ዘይነሐፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዂሉ ዘይህበና
መደምደምታ፡
ከምቲ ክንርእዮ ዝጸናሕና፡ እቲ ብዛዕባ ህይወትን ሞትን ትንሳኤን የሱስ ዝገልጽ ሓቂ (ወንጌል)፡ ሕመረት መንነትና፡ መጸናንዒናን ድራኸ ናይ መዓልታዊ ናብራናን እዩ። ስለዚ ወንጌል ሓንሳእ ሰሚዕና ናብ ካልእ እንሰግር ዘይኮነስ፡ መልዓታዊ ንርእስና እንነግሮ፡ ምስ ካልኦት የሕዋት እንዘኻኸሮን፡ ነቶም ዘይኣመኑ ድማ እናሰበኽናዮ እንነብር ናይ ሓጎስ ብስራት እዩ።
ከምቲ ቲሞቲ ኬለር እተባህለ ጸሓፋይ "ወንጌል ኣብ ምጅማር ህይወት ክርስትና ሰሚዕናዮ፡ ብድሕሪኡ ከም ዘየድልየና ገዲፍናዮ እንዓቢ መልእኽቲ ዘይኮነስ፡ ናብኡ እናዓበና እንኸዶ ጥዑም ዜና እዩ"ዝበሎ ** ፡ ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ዘመን ህይወትና ናብዚ ጥዑም ዜና ዝኾነ መልእኽቲ ወንጌል እናዓበና ክንከይድ ኣብ ህይወትና ኽኣ ጣዕሙ እናተሞከርናዮ ክንነብር ይርድኣና።
ኣሜን!
_____________
ወንጌል ብኸመይ ንመዓልታዊ ህይወትና ይቐረጽ ንዝብል ሓሳብ ዝያዳ ክድህስስ ዝደሊ ሰብ ፡ ነዘን ዝስዕባ ሓጋዚ ምንጭታት ክውከስ ይኽእል።
Jeff Vanderstelt, Gospel Fluency: Speaking the Truths of Jesus into the Everyday Stuff of Life (Crossway, 2017)
Keller, T. (2000, January 1). The centrality of the gospel. Redeemer City to City. https://redeemercitytocity.com/articles-stories/the-centrality-of-the-gospel
* Justification – ‘ቅኑዕ ኮንካ ደው ምባል’ (right standing)፡ ኣምላኽ ንሓጥእ ሰብ፡ ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ዘጽድቐሉ፡ ተግባር ዝገልጽ ቃል እዩ ። እዚ ከኣ ኣብ ሞት በጃነትን ክርስቶስን ትንሳኤኡን ጥራይ እተመስረተ እዩ ።
** “We never ‘get beyond the gospel’ in our Christian life to something more ‘advanced.’ The gospel is not the first ‘step’ in a ‘stairway’ of truths; rather, it is more like the ‘hub’ in a ‘wheel’ of truth. The gospel is not just the ABCs but the A to Z of Christianity.” — Timothy Keller, Redeemer City to City



Comments